ኮሌጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን ኦሮታ፡ ትማሊ 24 ነሓሰ ኣብ ዘካየዶ ስነ-ስርዓት፡ 60 ብማዕርግ ዶክተሬት፡ 13 ብማስተርስ፡ 207 ብቐዳማይ ዲግሪ፡ 397 ድማ ብዲፕሎማ – ካብኦም እተን 41 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮ 677 ተመሃሮ ኣመሪቑ።
ተመረቕቲ፡ ዓውድታት ሓፈሻዊ ሕክምናን ሕክምና ስኒን፡ ክሊኒካውን ሕክምናውን ላቦራቶሪ፡ ሕክምና ዓይኒን ስኒን፡ ፊዝዮቴራፒ፡ ራድዮሎጂ፡ መወልዳን፡ ክንክን ጽዑቕ ሕክምና፡ ስርዓተ-መደንዘዚን ጥዕና ኣእምሮን፡ ፋርማሲ፡ ከምኡ’ውን ህዝባዊ ጥዕና ዝተማህሩ እዮም።
ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሑሴን፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣገዳስነት ዓውዲ ሕክምና ብምግንዛብ፡ ኣብ ሃገር ምዕሩይ ዝርጋሐ ኣገልግሎት ጥዕና ንኽህሉ ልዑል ኣተኲሮ ሂቡ ከምዝሰርሕ፡ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ድማ፡ ምምዕባል ሞያዊ ዓቕሚ ቀዳምነት ከምዝወሃቦ ገሊጻ።
ሚኒስተር ኣሚና፡ ተመረቕቲ ዘለዎም ሓላፍነት ብዝግባእ ተገንዚቦም ከተግብሩ፡ ትጽቢት ከም ዝግበረሎም ኣገንዚባ።
ዲን ኮሌጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን ኦሮታ፡ ፕሮፌሰር የማነ ስዩም፡ ቤት-ትምህርቲ ሓፈሻዊ ሕክምናን ሕክምና ስኒን ኦሮታን ኮሌጅ ስነፍልጠት ጥዕና ኣስመራን፡ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ብሓደ ተጸንቢረን ንጥፈታተን ከካይዳ ከምዝጀመራ ብምጥቃስ፡ እዚ ናይ ሎሚ ዓመት መመረቕታ ድሕሪ’ቲ ምጽንባር፡ ኣብ ትሕቲ ኮሌጅ ሕክምናን ስነ-ፍልጠት ጥዕናን ኦሮታ ዝካየድ ዘሎ ናይ ፈለማ ምዃኑ ኣረዲኡ።
ምስ’ዚ ናይ ሕጂ፡ ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ጥዕና – 4,175 ሞያውያን፡ ቤት-ትምህርቲ ሓፈሻዊ ሕክምናን ሕክምና ስኒን ኦሮታ ድማ – 380 ሞያውያን ጥዕና ከምዘፍረያ ፕሮፌሰር የማነ ሓቢሩ።
ኤሪና ዝተወከሰቶም ተመረቕቲ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ትምህርቲ ብሓፈሻ – ኣብ ዓውዲ-ጥዕና ድማ ብፍላይ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ተሳታፍነት ደቂ-ኣስንትዮ፡ ንስልጡን ኣተሓሳስባ ሕብረተ-ሰብና ዘጒልሕ ምዃኑ ብምግላጽ፡ ብዝለዓለ ክድፋኣሉ ተላብዮም።