ዕለታዊ ህይወቶም ዝመርሑሉን ንሃገሮምን ህዝቦምን ዘበርክቱሉን ዘለዉ ሞያታት – መሰረቱ ሳዋ ምዃና፡ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውደ-ስራሓት ዝርከቡ መንእሰያት ከተማ ከረን ገሊጾም።

ኣብ ሆስፒታል ከረን ሓፈሻዊ ሓኪም ኣባል 17 ዙርያ ዶክተር ተኽለዝጊ ተኽለሰንበት፡ ኣባል 24 ዙርያ ሰራሕተኛ ባንክ ንግድን ኣባይትን ከረን ባልዋይት ዓምር፡ ኣባል 17 ዙርያ ሰራሕተኛ ክፍሊ ህንጻዊ ልምዓት ዞባ ዓንሰባ ኢንጅነር ኣሮን ምሕረትኣብ፡ ኣባል 24 ዙርያ ሰራሕተኛ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ነጃት ዑመርን ኣባል 21 ዙርያ ሓላፊ ሃማመተኤ ጨንፈር ከረን መንእሰይ ጀማል ወልዲትን ንኤሪና ኣብ ዝሃቡዎ ሓበሬታ፡ ሳዋን ህላወን ምዕባለን ሃገር ተነጻጺሎም ዘይርኣዩ ምዃኖም ብምግላጽ፡ ሳዋ ዘፍረየቶን ዝመልመለቶን መንእሰይ፡ ሎሚ ኣብ ኩሉ መዳያት ዓቢ እጃም የበርክት ከምዘሎ ሓቢሮም።

እዞም ብሳዋ ሓሊፎም ኣብ ኮለጃት ድሕሪ ምምራቖም በብሞያኦም ዘበርክቱ ዘለዉ መንእሰያት፡ ህሉው ብቕዓቶም መሰረቱ ሳዋ ምዃና ብምሕባር፡ ኣብ ሳዋ ብዘጥረዩዎ ነብሰ-ምትእምማን፡ ምጽውዋርን ናይ ስራሕ ባህልን ተሓጊዞም፡ ነብሶምን ሃገርን ኣብ ምምዕባል ከምዝርከቡ ኣብሪሆም።

“ሳዋ፡ መማእዘኒት ብሶላ እያ” ዝበሉ እቶም መንእሰያት፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ብኣካልን ኣእምሮን ምሉእ ሰብ ክትከውንን ቅኑዕ ማእዝን ክትሕዝን ዝሕግዘካ መደባት ዝሓቘፈ ምዃኑ ኣረዲኦም።

Categories