ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ንጽህና ከባቢ ብምውሓስ ጥዕና ነበርቲ ንምርግጋጽ ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታት ውጽኢት ይህብ ከምዘሎ፡ ሓላፊ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ነርስ መኮነን ገብረመድህን ሓቢሩ።

ነርስ መኮነን፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ጋሕቴላይ ንዝተሰላሰለ ኮም ዝሰረቱ ከባብያዊ ጽሬትን ውጽኢቱን ንምግምጋም፡ ምስ ነበርቲ ርክብ ኣካይዱ ነይሩ።

ኣብ ምምሕዳር ከባቢ መትከል ኣቤት እውን ተመሳሳሊ ርክብ ከምእተኻየደን፡ ኣብ’ተን ዝተረፋ ምምሕዳራት ከባቢ ቕጽል ምዃኑን ድማ ሓቢሩ።

Categories