ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ‘ሓላይ’ – ኣስመራ፡ ንክልተ ዓመታት ብዓውድታት ጽገና ኮምፕዩተርን ምዝርጋሕ መርበባትን፡ ከምኡ’ውን ብጽርበት ሓጺን ዘሰልጠነቶም 44 ተመሃሮ፡ ትማሊ 28 ሰነ ብሰርቲፊኬት ተመሪቖም።
ዳይረክተር’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ራጉኤል ተኽለ፡ ቤት-ትምህርቲ ስነኪነት ‘ሓላይ’፡ ካብ 2013 ክሳብ 2015 ብዓውዲ ጽርበት ሓጺን ጥራይ ከተሰልጥን ምጽናሓ፡ ካብ 2016 ንደሓር ግን፡ ዓውድታት ጽገና ኮምፕዩተርን ምዝርጋሕ መርበባትን ከም ዝወሰኸት ሓቢሩ።
ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ቴክኒካውን ሞያውን ትምህርቲን ስልጠናን ኣቶ ተስፋይ ስዩም፡ እዞም በዛ ሎሚ መዓልቲ ጻማኦም ዝሓፍሱ ዘለዉ መንእሰያት፡ ኣካል ናይ’ዚ ተኣትዩ ዘሎ ትስፉው መድረኽ ምዃኖም ድሕሪ ምሕባር፡ ተራኦምን ኣበርክቶኦምን ኣብ’ዚ ሓድሽ መድረኽ፡ ክእለትን ብቕዓትን ዝተሓወሶ ክኸውን ምብቅዑ ዮሃና ኢሉዎም። ሃገሮምን ህዝቦምን ብቕንዕናን ተገዳስነትን ከገልግሉ ዘለዎ እምነት ድማ ገሊጹሎም።
ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ካብ ነፍሲ-ወከፍ ዓውደ-ትምህርቲ ብሉጽ ውጸኢት ንዘመዝገቡ ተማሃሮ፡ ከምኡ’ውን ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ኣበርክቶ ዝገበሩ ሽልማትን ወረቐት ምስክርን ተዓዲሉ።
ቤት-ትምህርቲ ስነ-ኪነት ሓላይ፡ ሎሚ ዓመት ን7ይ ግዜኣ እያ ተመርቕ ዘላ።