ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ሕ.ኢ.ዓ፡ ሕ.መ.ኣ፡ ጀርመንን ኬንያን ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ን‘20 ሰነ’፡ ኣብ ሰማእታቶም ዘለዎም ክብሪ ብዝገልጽ መሰናድኦታት፡ ብልዑል ክብሪ ዘኪሮምዋ።

ኤርትራውያን ነበርቲ ኣቡ-ዳቢ – ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ኣብ ዝወደብዎ ናይ ዝኽሪ መደብ፡ 7,850 ደርሃም ተዋጺኡ – ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ክውፈ እንከሎ፡ 21 ስድራ ስውኣት ናይ ምንባይ ሓላፍነት ተወሲዱ።

ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሕ.ኢ.ዓ. ኣቶ ዑስማን መሓመድ-ዑመር፡ ብዘይትትካእ ሂወቶም ብርሃን ናጽነትን ክብረት ልኡላውነትን ዘግዘሙና ሰማእታትና፡ ሕድሮም ምትግባርን ዝገደፍዎም ስድራ ምጥዋርን፡ ንርእስኻ ዘቕስን ዜግነታዊ ስራሕ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ነበርቲ ደንቨር – ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ባንዴራ ኤርትራ እናኣምበልበሉ ሰልፊ ብምግባርን ሽምዓ ብምውላዕን፡ ንሰማእታቶም ዘለዎም ክብሪ ገሊጾም።

ነበርቲ ከተማታት ኡልም፡ ሃይደልበርግ፡ ሃምቡርግ፡ ካስል፡ ሙኒክ፡ ሽቱትጋርት፡ ማንሃይምን ኑረንበርግን – ጀርመን እውን፡ ብዝተፈላለየ መደባት ዘኪሮማዋ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ተቐማጦ ኑረንበርግ 2,600 ዩሮ፡ ነበርቲ ማንሃይም ድማ 2 ሽሕ ዩሮ፡ ንመሰሰኒ ማዕከን ሕድሪ ሰማእታት ኣበርኪቶም።

ኤርትራውያን ነበርቲ ኬንያ – ዝተፈላለየ መሰናድኦታት ወዲቦም ኣብ ዝዘከሩሉ ድማ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣቶ በየነ ርእሶም፡ ጀጋኑ ስውኣትና ብልምዓት ክድበሱ ብዝሓየለ ውዳበ ክስራሕ ኣዘኻኺሩ።

Categories