ማሕበረ-ሰብ መዓስከር ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎትን ማእከል ሞያዊ ስልጠናታትንሳዋ፡ 20 ሰነ – መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ብዓቢ ሓበን ዘኪሮም።

ኣብ’ቲ ብ19 ሰነ ዝተኻየደ፡ መማህራንን ተመሃሮን ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት፡ ኣባላትን ኣለይቲን ተመሃሮ፡ ከምኡ’ውን ሲቪል ሰራሕተኛታት ዝተረኽቡሉ ስነስርዓት፡ ንርዝነት ትርጒም መስዋእትን ሕድሪ ሰማእታትን ዘንጸባርቕ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታት ቀሪቡ።

ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት፡ ኮሎኔል ደበሳይ ግደ፡ 20 ሰነ – ዕለተ ዝኽሪን ምሕዳስ መብጽዓን ምዃና ብምጥቃስ፡ ነዚ እነስተማቕሮ ዘለና – ውጽኢት ጽንዓትናን መስዋእትነትናን ዝኾነ ሰላም፡ ብልምዓት ንምዅላዑ፡ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ዜጋ ንቑሕ ተራ ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።

“ኣብ ጒዕዞ ቃልስና ዘጥረናዮ ረዚን ክብሪታት፡ ብውሑስ መንገዲ ናብ መጻእቲ ወለዶ ከነሰጋግሮን ርሁው መጻኢ ከነውሕስን፡ ሕድሪ ሰማእታትና እዩ” ዝበለ ኮሎኔል ደበሳይ፡ ንተረከብቲ ሃገር መንእሰያት ዝያዳ ሓላፍነት ዘሰክም ስለዝኾነ፡ ነቲ ኣብ ድልዱል ሰረት ተሃኒጹ ዘሎ ሃገራዊ ራኢ ብንቕሓት ክሰርሑሉ ተላብዩ።

Categories