ብምኽንያት 20 ሰነ – ዕለተ-ሰማእታት ኤርትራ፡ ትማሊ 18 ሰነ፡ ብህግደፍ ዞባ ማእከል ዝተወደበ – ካብ ዓዲ-ያቆብ ናብ ጻዕዳ-ክርስትያን ናይ እግሪ ጉዕዞ ተኻዪዱ።

ኣብ’ዚ ኣርባዕተ ኪሎ-ሜተር ዝሸፈነ ጉዕዞ፡ ኣቦ-መንበር ህግደፍ ዞባ ማእከል ኣቶ ዩሱፍ ሳይቕ፡ ኣመሓደርቲ ንኡሳን ዞባታት፡ መንእሰያት ሰራሕተኛታት ህግደፍ ዞባ ማእከል፡ ካብ 13 ንኡሳን ዞባታት ዝተወከሉ መንእሰያት ዝርከቡዎ – ብጠቕላላ ኣስታት 2500 ህዝቢ ተሳቲፉ።

ተሳተፍቲ ናብ ጒዕዞ ኣብ ዝተበገሱሉ፡ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ዓዲ-ያቆብ፡ ንትርጉም ዝኽሪ ሰማእታትን ኣብ 1977/1978 ኣብ ዓዲ-ያቆብ ዝተፈጸመ ጅግንነትን ዘንጸባርቕ መሰናድኦታት ተዓዚቦምን ሰሚዖምን።

ኣብ’ቲ እዋን ኣባል ናይ’ተን ኣብ’ቲ ከባቢ ዓሪደን ዝነበራ ኣሃዱታት ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ዝነበረ ኮሎኔል ደሳለ ቃለይ፡ ንተሳተፍቲ ብዛዕባ’ቲ ቅድሚ 42 ዓመታት ዝተፈጸመ ቅያ ተጋዳላይን ህዝብን፡ ኣመሰራርታ ድፋዕ ዓዲ-ያቆብ፡ ከምኡ’ውን ኣብኡ ዝተፈጸመ መስተንክራዊ ታሪኽ መግለጺ ሂቡ።

Categories