ኤርትራውያን ነበርቲ ሉዋንዳን ከባቢኣን – ኣንጎላ፡ በዓል ናጽነቶም፡ ብ8 ሰነ ብልዑል መዓርግ ጸምቢሎም።

ኣብ’ቲ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኣንጎላን ኣምባሳደራት ዝተፈላለያ ሃገራትን ዝተሳተፉዎ ጽምብል፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃን ሃገራት ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃን፡ ኣቶ ሳልሕ ዑመር፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብጽንዓቱን ሓያል መኸተኡን ንኹሉ ኣንጻሩ ዘንቀደ መሰናኽላት ኣብ ዝሰገረሉ ግዜ ዝጽምበል ዘሎ ናይ ሎሚ ዓመት በዓል ናጽነት፡ ፍሉይ ትርጉምን ድምቀትን ከምዘለዎ ገሊጹ።

ኣምባሳደር ሳልሕ፡ ነቲ ኣብ ጽንኩር ናይ ተጻብኦ እዋናት እውን ዘይተሰናኸለ መደባት ሃገራዊ ልምዓት ብዝበለጸ ንምትግባር፡ ኩሉ ዜጋ እጃሙ ከበርክት ኣዘኻኺሩ።

ምክትል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሪፓብሊክ ኣንጎላ፡ ኣምባሳደር ተተ ኣንቶኞ፡ ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ “ዮሃና” ድሕሪ ምባል፡ ነቲ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተፈጢሩ ዘሎ ሃዋህው ሰላምን ምትሕግጋዝን ደገፉ ገሊጹ።

ኣቦ-መንበር ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ኣንጎላ ኣቶ ያቆብ ሰሎሙን ድማ፡ እቲ ጽምብል፡ መርኣያ ናይ’ቲ ብሃገራውነቶምን ናጽነቶምን ዝስመዖም ክብሪን ሓበንን ከምዝኾነ ብምግላጽ፡ ውዳበታቶም ኣስጢሞም ሃገራዊ መደባት ንምዕዋት ከምዝሰርሑ ኣረጋጊጹ።

Categories