ኣብ ንኡስ ዞባ በሪኽ – ነበርቲ ምምሕዳር ወኪድባ፡ ብምኽንያት ጽምብል ናጽነት ኤርትራ፡ “ሳላ ስዉኣትና ከቢርና” ብዝብል መንፈስ፡ ን26 ስድራ-ቤት ስውኣት ሓገዝ ኣበርኪቶም።

ኣመሓዳሪ ወኪድባ ኣቶ መሓሪ ጐደፋ፡ እቲ መደብ ምስ ኣባላት ሃማደኤ ናይ’ታ ዓዲ ብምውህሃድ ዝተወደበ ምዃኑ ብምሕባር፡ ወትሩ ኣብ ጐድኖም ከምዘለዉ ንምርግጋጽ ዝዓለመ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣደ-መንበር ሃማደኤ ናይ’ታ ዓዲ፡ ወይዘሮ ዝማም ተኪኤ ድማ፡ ስድራ ስዉኣት ኣብ ምእላይ፡ ኩሉ ዜጋ ዓቕሙ ዘፍቅዶ ኣበርክቶ ክገብር ጸዊዓ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ በሪኽ ኣቶ ተስፉ ፍስሓጼን ኣብቲ ኣጋጣሚ፡ ኣብ እዋን መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ወኪድባ ንዝተኻየደ ግፍዕን ሽዓኡ ዝተኸፍለ መስዋእትን ስንብራቱን ብምጥቃስ፡ መንእሰያት ብፍላይ ሕድሪ ሰማእታት ንምትግባር ወትሩ ንቑሓት ክኾኑ ኣዘኻኺሩ።

Categories