ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ በዓል ናጽነት፡ “ጽንዓት ብጽንዓት ንልምዓት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ትማሊ 23 ግንቦት ኣብ ከተማ ዓሰብ ብድምቀት ተጸምቢሉ።

እቲ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራን ምብራቓዊ ግንባርን ሜጀር ጀነራል ሑመድ ካሪካረ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣምባሳደር መሓመድስዒድ ማንታይ፡ ሱልጣን ረሓይታ ዓብዱልቓድር ዳውድ፡ ከምኡ’ውን ሓለፍቲ ኣካላት’ቲ ዞባ፡ ኣዘዝቲ ሰራዊትን ብርክት ዝበለ ህዝቢን ዝተሳተፎ ወግዓዊ ጽምብል፡ ብምርኢት ወተሃደራዊ ሰልፊ፡ ከምኡ’ውን ስነ-ጥበባውን ባህላውን መሰናድኦታት ማዕሪጉ ነይሩ።

ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ፡ ናይ ሎሚ ዓመት ዝኽሪ ናጽነት፡ ከም ውጽኢት ሓያል ጽንዓት ኣብ ዝተበጽሐ ትስፉው ናይ ሰላም ሃዋህው ይጽምበል ብምህላዉ ፍሉይ ድምቀት ከምዘለዎ ብምዝኽኻር፡ ብመስዋእቲ ብሉጻት ዝነደቕናዮም ክብርታት ንሓደስቲ ወለዶታት ንምውራስ ሓላፍነት ከምእተሰክመና ኣገንዚቡ።

ኣብ’ዚ ተኣትዩ ዘሎ ትስፉው መድረኽ፡ ምውሓስ ማሕበራዊ ፍትሒ ናይ ቀዳምነታት ቀዳምነት ስለዝኾነ፡ ብዝሰፍሐ ክስራሓሉ ምዃኑ ብምሕባር ከኣ፡ ህዝቢ ውዳበኡን ንቑሕ ተሳትፎኡን ከዕዝዝ ኣዘኻኺሩ።

ጽምብል መበል 28 ዓመት ናጽነት፡ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ክሳብ 26 ግንቦት ኣብ ቀጽሪ ራስ-ጎንቦ ብዝካየዱ ባህላውን ስነ-ጥበባውን መደባት ክቕጽል ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ።

Categories