ፕረዚደንት ፈደረሽን ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ፕረዚደንት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕን ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ጊኒ ፕሮፈሰር ኣልፋ ኮንደን፡ ብኣጋጣሚ ጽምብል መበል 28 ዓመት ናጽነት፡ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዶም።

እቶም መራሕቲ ኣብ መልእኽታቶም፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ምሉእ ጥዕና፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ሰላምን ብልጽግናን ተመንዮም።

ንሳቶም ብተወሳኺ፡ ንተራ ኤርትራ ኣብ እወታዊ ምዕባለታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምምጓስ፡ ዝምድና ሃገራቶም ምስ ኤርትራ ንምምዕባል ዘለዎም ድሌት ገሊጾም።

ፕረዚደንት ኮንደ፡ ተራን ኣበርክቶን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሰላምን ርግኣትን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዓቢ ግምት ዝወሃቦ ምዃኑ ብምሕባር፡ ዝምድና ጊኒን ኤርትራን ንምምዕባል ከምዝሰርሕ ኣረጋጊጹ።

ብዘይካ’ዚ፡ ካብ 1996 ክሳብ 1998፡ ከምኡ’ውን ካብ 2006 ክሳብ 2008 ንክልተ እብረ ቀዳማይ ሚኒስተር ሪፓብሊክ ኢጣልያ፡ ካብ 1999 ክሳብ 2004 ድማ ፕረዚደንት ኤውሮጳዊ ኮሚሽን ኮይኑ ዘገልገለ ሲኞር ሮማኖ ፕሮዲ እውን፡ ብምኽንያት ጽምብል ናጽነት ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ሰዲዱ።

Categories