ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ኣፍሪቃን ሃገራት ዞባ ደቡባዊ ኣፍሪቃን፡ ኣቶ ሳልሕ ዑመር፡ ብ12 ግንቦት ንኤርትራውያን ነበርቲ ጆሃንስበርግን ከባቢኣን፡ ኣብ ህሉው ኩነታት ሃገርናን ዞባናን ዘተኰረ ሰሚናር ኣካዪዱ።

ተኣትዩ ዘሎ ሓድሽን ትስፉውን መድረኽ፡ ፍረ ሓያል ጽንዓትን መኸተን ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ውሽጥን ወጻእን፡ ከምኡ’ውን ውሕሉል ኣመራርሓ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣምባሳደር ሳልሕ፡ ናብ’ዚ ዓወት’ዚ ዘብጽሐ ክብርታት፡ ኣብ’ዚ መዋእል ሰላምን ልምዓትን ዝያዳ ክዅላዕን ክዕቀብን ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ውዕል ሰላምን ምትሕግጋዝን፡ ኣብቲ ዞባ እወታዊ ጽልዋ ፈጢሩ ከምዘሎ ጠቒሱ ድማ፡ ዝምድና ኤርትራ ምስ ጎረባብታ እናማዕበለ ምስ ምምጽኡን ብዓሎቕ ኣብ ልዕለኣ ተበዪኑ ዝነበረ ዘይሕጋውን ዘይፍትሓውን እገዳ ምስ ምልዓሉን፡ ዞባና ናብ ናይ ሽርክነትን ምውህሃድን መድረኽ ይሰጋገር ከምዘሎ ኣብሪሁ።

Categories