መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን፡ ከምኡ’ውን ዞባውያንን ኣህጉራውያንን ውድባት፡ ብኣጋጣሚ ጽምብል መበል 28 ዓመት ናጽነት፡ ናብ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ናይ ዮሃና መልእኽቲ ይሰዱ ኣለዉ።

በዚ መሰረት፡ ፕረዚደንት ኣየርላንድ ሚካኤል ሂጊንስ፡ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኮርያ ሙን ጃይ ኢን፡ ንጉስ ስጳኛ ፊሊፕ ሻድሻይ፡ ከምኡ’ውን ኣቦ-መንበር ሃገራዊ ባይቶ ፓኪስታን ኣሰድ ቐይሰር ኣብ መልእኽትታቶም፡ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ምሉእ ጥዕና፡ ንኤርትራን ህዝባን ድማ ሰላምን ብልጽግናን ተመንዮም።

Categories