ገዲም ተጋዳላይ ኮሎኔል ኣርኣያ ሓድጉ ዘርኣይ፡ ትማሊ 11 ግንቦት ብሕማም ኣብ መበል 64 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ ጥሪ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ኣርኣያ ሓድጉ፡ ቅድሚ ናጽነት ኣብ ክፍሊ መጐዓዝያ ከም ሓላፊ ጨንፈር ጋራጅ ክሳብ 1983፡ ድሕሪኡ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ድማ ኣብ ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ከም ሓላፊ ጋራጅ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ከገልግል ዝጸንሐ ሓርበኛ’ዩ።

ኮሎኔል ኣርኣያ ሓድጉ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሸውዓተ ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ፡ ሎሚ ሰንበት 12 ግንቦት ሰዓት 4፡00 ድሕሪ ቐትሪ፡ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም’ዩ።

ሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ኮሎኔል ኣርኣያ ሓድጉ ዝተሰመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ይምነ።

Categories