ኣካዳሚያዊ ዓቕሚን ብቕዓትን ኣባላት ማእከል ሃገራዊ ኣገልግሎት – ሳዋ ክብ ንምባል፡ ናይ ትምህርቲ ዕድላት ብምኽፋት ብዝለዓለ ይስራሓሉ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ መደብ፡ ምስ ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎን ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት ሳዋን ብምርድዳእ ይትግበር ከምዘሎ፡ ኣዛዚ ማእከል ስልጠና ሃገራዊ ኣገልግሎት – ኮሎኔል ደበሳይ ግደ ገሊጹ።

ብ10 ግንቦት ኣብ ዝተኻየደ፡ ናይ ዓመተ 2018/2019 ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ  መዛዘሚ ስነ-ስርዓት፡ ኮሎኔል ደበሳይ፡ ነቶም ትሑት ደረጃ ትምህርቲ ዝጸንሖም ኣባላትን ምስ ሲቪል ሰራሕተኛታት ወለዶም ዝነብሩ ህጻናትን እተምህር ናይ መባእታን ማእከላይን ደረጃ ቤትትምህርቲ ተኸፊታ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ተምህር ከምዘላ ሓቢሩ።

ዳይረክተር ናይታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ጀማል ዓብደልቓድር ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ካብ 6ይ ክሳብ 9ይ ክፍሊ ካብ ዝተማህሩ 117 እቶም 110 ናብ ዝቕጽል ደረጃ ከምዝሓለፉ ብምጥቃስ፡ እቲ ብምትሕብባር መምህራን ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎን ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት ሳዋን ዝካየደ ዘሎ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን፡ ኣብ መጻኢ ሚኒስትሪ ትምህርቲ መምህራን ክምድበሉ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ መወዳእታ፡ ልዑል ነጥቢ ብምምዝጋብ ጸብለልታ ንዘርኣዩ ተመሃሮ፡ ወረቐት ምስክርን መተባብዒ ሽልማትን ተዓዲሉ።

Categories