ኣብ ንኡሳን ዞባታት ጊንዳዕን ሽዕብን፡ ካብ 16 ክሳብ 20 ሚያዝያ ምርጫታት ሽማግለ ዕርቂ ተኻዪዱ።

በዚ መሰረት፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ጽረት፡ ለዓይተን፡ እምባትካላ፡ ነፋሲት፡ ዓድ-ሹማ፡ መትከልኣቤት፡ ሸባሕ፡ ደማስ፡ ዓጎምቡሳ፡ ፍሸይ፡ ምራራ፡ ደንጎሎ፡ ማይ-ሓባር፡ 4 ምምሕዳራት ከተማ ጊንዳዕን ጋሕቴላይን፡ ኣብ 6 መጋባእያታት ዝነጥፉ 22 ሽማግለታት ዕርቂ ተመሪጾም።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሽዕብ’ውን፡ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ወቂሮ፡ ገድገድ፡ ቲሉክ፡ ሸልሸለ፡ መንሸብን ወድ-ኢሎን ዘገልገሉ 14 ሽማግለታት ዕርቂ ከምእተመርጹ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

እቶም ሽማግለታት ዕርቂ፡ ሕብረተ-ሰብ ዘሰከሞም ሓላፍነት ብግቡእ ከምዝሰርሑሉ ብምርግጋጽ፡ ናይ ህዝቢ ምትሕግጋዝ ከይፍለዮም ተላብዮም።

Categories