ኣመሓዳሪ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ ልብሱ፡ ኣብ መደባት ልምዓት 2019ን ኪኖኡን – ብ22 ሚያዝያ ምስ ነበርትን ሰራሕተኛታትን ከተማ ባጽዕ ዘትዩ።

ንህሉው ኩነታት ሃገርን መደባት ልምዓትን ዝምልከት ዝርዝራዊ መብርሂ ዝሃበ ብሪጋደር ጀነራል ተኽለ፡ እቲ ኣብ መስርሕ ዘሎን ንመጻኢ ዝውጠንን መደባት ልምዓት፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ማሕበራዊ ፍትሒ ንምንጋስ ክትግበር ዝጸንሐ ስራሓት ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣብ ምዕዋት መደባት ልምዓት፡ ስሙርን ስጡምን ባህሊ ዓያይነት – ኣዝዩ ወሳኒ ምዃኑ ብምሕባር ድማ፡ ህዝቢ ተሳትፎኡ ከዕዝዝ ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ፡ ዝውጠኑ መደባት ንምዕዋት ጻዕርታቶም ከዛይዱ ምዃኖም ብምርግጋጽ፡ ኣብ ገለ ክፋል ከተማ ባጽዕ ዝርአ ሕጽረት ቀረብ ማይ ቈላሕታ ክወሃቦ ተላብዮም።

Categories