ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ክካየድ ዝቐነየ ወፍሪ ምክልኻል ኣንበጣን ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒን ብዓወት ድሕሪ ምዝዛሙ፡ ኣብ’ቲ ስራሕ ንዝተሳተፉ ሞያውያን – ኣብ ኣተሓሕዛ መድሃኒትን ዘገልገለ መሳርሒታትን ክግበር ኣብ ዘለዎ ጥንቃቐ ብዝምልከት ስልጠና ተዋሂቡ።

ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ሓላፊ ጨንፈር ብቚልን እንስሳታትን ኣቶ በረቐ ዑቕባሚካኤል፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ወፍሪ ምጥፋእ ኣንበጣ – ዓቢ ተመኵሮ ተቐሲሙዎ ስለዘሎ፡ ምስ’ቲ ስልጠና ተደሚሩ ኣብ መጻኢ ኣድማዒ ንጥፈታት ከምዝሰላሰል እምነቱ ገሊጹ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ኣቶ ኣቡበከር ኢብራሂም፡ ኣብ ሽዕብ ተደኲኑ ዝርከብ ነቚጣ ምክትታል ኣንበጣ፡ ብዓቕሚ ሰቡን ዕጥቁን ክድልድል ኣዘኻኺሩ።

Categories