ቤት-ትምህርቲ ዋርሳይ ይከኣሎ-ሳዋ፡ ናይ ዓመተ-2018/2019 ኣካዳሚያዊ ንጥፈታታ ብወግዒ ዛዚማ።

ብ27 መጋቢት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምዝዛም ስነ-ስርዓት፡ ዳይረክተር’ታ ቤት-ትምህርቲ መምህር ርእሶም ገብረሂወት፡ እታ ቤት-ትምህርቲ ኣገልግሎት ካብ እትጅምር ሎሚዘመን መበል 17 ዓመታ ምዃኑን፡ ልዕሊ 200 ሽሕ ተመሃሮ ተቐቢላ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣሰጋጊራ ምህላዋን ገሊጹ።

ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ካብ 103 ናይ ካልኣይ ደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝመጹ፡ 50.3 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 13,438 ተመሃሮ፡ ናይ 12 ክፍሊ ትምህርቶም ዛዚሞም ኣብ ሃገራዊ መልቀቒ ፈተና ተሳቲፎም ምህላዎም ዝጠቐሰ መምህር ርእሶም፡ ኣሳታፊን ተመላላኢን ዝኾነ ኣገባብ ምሕደራን ንተመሃራይ ዘማእከለ መደባትን፡ ንጥፈታቶም ብዓወት ንኽፍጽሙ ከምዝሓገዘ ኣረዲኡ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ፖለቲካዊ ትምህርቲ፡ ኣብ ተወሳኺ ካሪክለማዊ ንጥፈታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ማሕበራውን ባህርያውን ስነ-ፍልጠት ልዑል ነጥቢ ንዘመዝገቡ ተመሃሮ መተባብዒ ተዋሂቡ።

ብዘይካ’ዚ፡ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ብጽፈት ንኽሳለጥ ልዑል ኣበርክቶ ንዝገበሩ ብሉጻት መማህራንን ኣለይትን ወረቐት ምስክር ተዓዲሉ።

Categories