ኣብ ንኡስ ዞባ ሻምብቆ – ኣብ ወሰናስን ሩባ ጋሽ ዝሰላሰል ዘሎ ንጥፈታት መስኖኣዊ ልምዓት፡ ብመንጽር’ቲ ዘሎ ሃብታም ትሕዝቶ መሬትን ትሕተባይታዊ ማይን ኣድማዕነት ንኽህልዎ፡ ዘድሊ ሓገዝን ምትብባዕን ክግበረሉ ሓረስቶት ሓቲቶም።

ኣብ’ቲ ከባቢ ንልዕሊ 60 ዓመታት ኣብ ልምዓት ጀራዲን ዝነጠፉ ኣቶ ኣሕመድ ሰሎ፡ እቲ ከባቢ ግቡእ ጻዕሪ እንተደኣ ኣካዪድካሉ ዓጸፋ ጻማኻ ዝመልስ፡ ንፍረታትን ኣሕምልቲን ኣዝዩ ምቹእ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ውጽኢት ጻዕሮም ናብ ዝለዓለ ደረጃ ንኽስጉም፡ ናይ ድዅዒ፡ ዘርእን ማሽነርን ጠለባቶም ብርትዓዊ ዋጋ ክቕረበሎም ተላብዮም።

ኣቶ ዓንዳይ ጸጋይን ኣቶ ተስፋስላሰ መስፍንን ብወገኖም፡ እቲ ከባቢ ንኹሎም ዓይነታት ኣእካል፡ ጥረታት፡ ናይ ቅብኢ ኣዝርእቲ፡ ኣሕምልትን ፍረታትን ከም ዝሰማማዕ ብግብሪ ዘረጋገጹዎ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ኪኖ ምምላእ ጠለባትን ምርግጋእ ዕዳጋታትን ውሽጢ ሃገር፡ ንሰደድ ናብ ዝዓለመ ፍርያት ክሰግሩ፡ ደገፍ ሚኒስትሪ ሕርሻን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ከይፍለዮም ጸዊዖም።

ኣብ ኮርፖረሽን ዘራእትን ጥሪትን ሓላፊ ተክኒክ ኣብ ባረንቱን ከባቢኣን ሜጀር በየነ ኣርኣያ፡ ከም ዕላማ ተወሲዱን ኣተኵሮ ተዋሂቡዎን ኣብ ጀራዲን ከምቲ ዝድለ ክነጥፉ ከምዘይጸንሑ፡ ኣብ መጻኢ ግን ዕቱብ ግምት ክወሃቦ ምዃኑ ገሊጹ።

Categories