ኣብ ከተማ ኣስመራ፡ ካብ ወርሒ መስከረም 2018 ዝጀመረ መስርሕ ምትካእ መስመራት ረሳሕ ፈሳሲን ምልባጥ ጽርግያታትን፡ ብጽቡቕ ይሰላሰል ኣሎ።

ኣብ ኩባንያ ‘ኣስቤኮ’ ንፕሮጀክት ጽርግያታት ኣስመራ ዝከታተል ዘሎ መሃንድስ ሳምሶን ጠዓመ፡ እቲ ካብ ከባቢ ገዛ-ከኒሻ ተበጊሱ ብሹቕን ማይኣባሻውልን ሓሊፉ፡ ክሳብ ፋብሪካ ሰባርጉማ ንዝተዘርግሐ ዓበይቲ መስመራት ረሳሕ ፈሳሲ – ብሓድሽ ናይ 60 ሰንቲሜተር ሰንጣቒት ናይ ምትካእ ስራሕ፡ እኹል ዓቕሚ ማሽነሪታትን ሰብ ሞያን ብምውፋር ይትግበር ከምዘሎ ሓቢሩ።

እቲ ፕሮጀክት፡ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ብዝሰልዖ ባጀት ይትግበር ከምዘሎ ዝገለጸ መሃንድስ ሳምሶን፡ ጐድኒጐድኒ’ቲ ቱቦታት ናይ ምትካእ ስራሓት፡ ብቕጥራን ናይ ምልባጥ መደብ እውን ከም እተጀመረ፡ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ግዜ ክራማት ዝኽሰት ዝነበረ ዕልቕልቕ ዘወግድ ምዃኑ ገሊጹ።

ዛጊት ብዝተሰላሰለ ስራሕ፡ ኣብ ከባቢታት ማእከል ከተማ፡ ቤተ-መንግስቲ፡ ፎርቶን ሆስፒታል ሓይሊ ኣየርን ልዕሊ 30 ኪሎሜተር ጽርግያ ብቕጥራን ከምእተለበጠ ጠቒሱ ድማ፡ እቲ ፕሮጀክት – ቅድሚ ክራማት ንምዝዛሙ ይስራሕ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣመሓደርቲ ምምሕዳራት ከባቢ፡ ህዝቢ – ኣብ’ቲ ዝጽገን ዘሎ መትረባት፡ ረሳሕ ፈሳሲን ደረቕ ጐሓፍን ካብ ምጒሓፍ ክቚጠብን ግቡእ ክንክንን ምክትታልን ክገብርን ኣዘኻኺሮም።

Categories