ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ – ገማግም ሩባ ሞዖ፡ ኣብ ኣስታት 120 ሄክታር ዝለምዕ ዘሎ ጀራዲን እወታዊ ውጽኢት ይህብ ኣሎ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ መሓመድ-ሳልሕ መሓመድዓሊ፡ ኣብ’ቲ ንሓረስቶት ፈፍርቂ ሄክታር ዝተዓደለ መሬት፡ ኣስታት 110 ሄክታር ኣሕምልትን መግቢ እንስሳን፡ ኣብ ዝተረፈ ድማ ፍረታት ይለምዕ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ብዘይካ’ዚ፡ ን29 ኣለይቲ ስድራ ደቂኣንስትዮ ንምትብባዕ፡ ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሓ ክልተ ሞቶረታት ከምእተዓደላ ዝገለጸ ኣቶ መሓመድ-ሳልሕ፡ ኣብ ልምዓት ኣሕምልቲ ጽቡቕ ገስጋስ ይምዝገብ ከምዘሎ፡ ንዝበለጸ ውጽኢት ድማ ንሓረስቶት ዝወሃብ ሞያዊ ኣስተምህሮታት ክቕጽል ምዃኑ ገሊጹ።

ክኢላ ኣሕምልትን ፍረታትን ኣቶ መሓመድ-ሳልሕ ሓምድ ድማ፡ እቲ መደብ ሓረስቶት በብጉጅለታት ተወዲቦም ብምልማዕ – ነብሶም ክኽእሉን መነባብሮኦም ከመሓይሹን ዝዓለመ ምዃኑ፡ ዝወሃቦም ሞያዊ ምኽሪን ናይ ምሩጽ ዘርኢን ናውቲ ሕርሻን ደገፍን ድማ፡ ኣብ ንጥፈታቶም ሓጋዚ ኮይኑ ምህላዉ ሓቢሩ።

እቶም ኣልማዕቲ ብወገኖም፡ ብዝግበረሎም ሓገዝ ተተባቢዖም ብትግሃት ስለዝሰርሑ፡ ቁጠባዊ ህይወቶም ከመሓይሹ ከምዝበቕዑ ሓቢሮም።

Categories