ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ነቲ ካብ 2010 ኣትሒዙ ከስርሖ ንዝጸንሐ ፖሊሲ ጥዕና፡ እዋናዊ ሃገራዊን ዞባውን ኣህጉራውን ኩነታት ኣብ ግምት ብዘእተወ ክሳብ 2030 ዘገልግል ሓድሽ ፖሊሲ ጥዕና ንምንዳፍ፡ ትማሊ 20 ለካቲት ዓውደ-ዘተ ኣካዪዱ።

ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን ኣብ ዘስመዓቶ መኽፈቲ ቃል፡ ክሳብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተሰርሓሉ ፖሊሲ፡ ኤርትራ ኣብ መዳይ ጥዕና ጽቡቕ ገስጋስ ከተመዝግብ ከምዘኽኣላ ብምሕባር፡ ነዚ ሰለስተ ክፋላትን 10 ምዕራፋትን ዘጠቓልል ሓድሽ ሰነድ ንምድላው ንዝተሰላሰለ ዕማምን ዕላማኡን ኣብሪሃ።

ኣማኻሪ ሚኒስተር ዶክተር ምስማይ ገብረሂወት ብወገኑ፡ ሓድሽ ፖሊሲ ጥዕና ክንደፍ ካብ ዝተደልየሎም ቀንዲ ምኽንያታት፡ ብሃገር ደረጃ ቀዳምነታት ጽላት ጥዕናን ኣቓልቦ ዝወሃቦም ዝነበሩ ሕማማትን ስለዝተቐየሩ፡ ምስ ኩነታት ሰላም – ናጻ ምንቅስቓሳት ህዝብታት ካብን ናብን ብምጽዓቑ፡ ከምኡ’ውን ዓለምለኻዊ ኩነታት መነባብሮ፡ ስራሕን ካልእ ረቛሒታትን ብምቕያሩ ምዃኑ ብምሕባር፡ እቲ ሓድሽ ፖሊሲ ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ምዃኑ ገሊጹ።

ሸቶታት ናይ’ዚ ሓድሽ ፖሊሲ ጥዕና፡ ምርግጋጽ ዓለምለኻዊ ሸፈነ ጥዕና፡ ምሕያል ስርዓተ ጥዕና፡ ምውርጻጽ ምዕሩይን ብቑዕን ኣገልግሎት ጥዕናን ካልእን ከምዝኾነ ዝጠቐሰ ዶክተር ምስማይ፡ እቲ ሰነድ ሓቚፉዎም ብዛዕባ ዘሎ ትሕዝቶ፡ በብምዕራፉ መብርሂ ኣቕሪቡ።

ተሳተፍቲ ድማ፡ ኣብ’ቲ ዝተነድፈ ሰነድ ዓሚቚ ዘተን ክትዕን ኣካዪዶም።

ኣብ’ቲ ናይ ሓደ መዓልቲ ዓውደ-ዘተ፡ ወኪል ዓለማዊ ውድብ ጥዕና ኣብ ኤርትራ ሚስ ጆሰፊን ናምቦዘ፡ ሓለፍቲ ክፍልታትን ኣካላትን ሚኒስትሪ ጥዕናን ሞያውያንን፡ ወከልቲ ሚኒስትሪታት ዜና፡ ሕርሻን ፋይናንስን፡ ከምኡ’ውን ካልኦት መሻርኽቲ ተሳቲፎም ነይሮም።

Categories