ብቕዓት ትምህርቲ ንምርግጋጽ፡ ስሉሳዊ ዝምድና መማህራን፡ ወለዲን ተመሃሮን ክሕይል፡ ኣብ ንኡሳን ዞባታት እምኒ-ሓይሊን ድባርዋን ኣብ ዝተኻየደ፡ ኣብ ገስጋስ ትምህርቲ ዘተኰረ ርክባት መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ኣብ እምኒ-ሓይሊ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ሓላፊ ኣገልግሎት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር መሪሕ ኪሮስ፡ ኣብ’ዚ ዓመተ-ትምህርቲ እዚ መጠን ምሕላፍ ኣብ ቀዳማይ ሰሚስተር – ኣብ መባእታ 91 ሚእታዊት፡ ኣብ ማእከላይ 76 ሚእታዊት፡ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ድማ 74 ሚእታዊት ከም እተመዝገበ ጠቒሱ፡ ነዚ ውጽኢት’ዚ ንምምሕያሽ፡ ጻዕሪ መማህራን፡ ተራ ወለድን ኣመሓደርቲ ከባብን ክብርኽ ጸዊዑ።

ብዘይካ’ዚ፡ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቖም ዘለዉ ዜጋታት ኣጽኒዕካ ከምዝመሃሩ ንምግባር፡ ምምሕዳራት ከባቢ ዓቲበን ክሰርሓሉ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ብ15 ለካቲት ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ኣኼባ ድማ፡ ሓላፊ ኣገልግሎት ትምህርቲ መምህር ዑቕበ መለስ፡ ብኽነት ንምውጋድ ብዝሓየለ ይስራሕ ከምዘሎ፡ ብቕዓት መማህራን ክብ ንምባል ድማ በብግዜኡ ስልጠናታት ይውደብ ምህላዉ ብምሕባር፡ ብፍላይ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዘሎ ዋሕዲ መምህራንን ሕጽረት መሳለጥያታትን ፍታሕ ክናደየሉ ተላብዩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ ኣብ 26 ኣብያተ-ትምህርቲ 16 ሽሕ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ድባርዋ ድማ ኣብ 30 ኣብያተ-ትምህርቲ 22 ሽሕ ተመሃሮ ከምዘለዉ፡ ሰነዳት’ተን ኣብያተ-ትምህርቲ ይሕብሩ።

Categories