ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ኩዶኣብዑር፡ ዓዲ-ጣፋ ንፋስን፡ ዓዲቖዶን – ንኡስ ዞባ ኣምኒ-ሓይሊ ዝተተግበረ ፕሮጀክታት ማይ፡ ኣብ ህይወት ነበርቲ እፎይታ ከምዝፈጠረ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኣብርሃም መኮነን ሓቢሩ።

ኣቶ ኣብርሃም፡ ኣብ ሰለስቲኡ ምምሕዳራት – ህዝቢ ኣብ ምዕዋት’ቲ ፕሮጀክትታት ንዘርኣዮ ተሳትፎ ሞጒሱ።

ን170 ስድራ ስዉኣት ከምኡ’ውን ንበተኻት ስድራ-ቤታት ገንዘባውን ዓይነታውን ሓገዝ ከም እተገብረ፡ 1360 ሄክታር ከትርታትን ዛላታትን ከም እተሰርሐ እውን ዘርዚሩ።

ኣብ 2019 – ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ዓዲ-ቖዶ፡ ዓዲ-ዓጓ፡ ዓድኣውሒን ኩዶ-ኣብዑርን 191 ሄክታር ምሩጽ ዘርኢ ስርናይ ክዝራእ ተዳልዩ ከምዘሎ፡ ኮም ዝመርሖ ከባብያዊ ጽሬት ብዝለዓለ ክሰራሓሉ ምዃኑ፡ ኣቶ ኣብርሃም ኣረዲኡ።

Categories