ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ካብ መንግስቲ ግብጺ ዝተበርከተ ናውቲ ሕክምና፡ ብ15 ለካቲት ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ተረኪቡ።

እቲ ሓገዝ፡ ኣስታት 2.8 ሚልዮን ጅኔ ግብጺ (ኣስታት 160 ሽሕ ዶላር) ዝትመን ኮይኑ፡ ኣብ ምሕጻብ ኲሊት – ‘ድያሊስስ’ ዘገልግላ 6 ማሽናትን ንዓአን ዘገልግል ከሚካላትን ካልእን የጠቓልል።

ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሑሴን፡ ኣብ ሞንጎ መንግስታት ኤርትራን ግብጽን ኣብ መዳይ ጥዕና ዘሎ ዝምድና – ካብ ነዊሕ ዝጸንሐ ምዃኑ ብምሕባር፡ እቲ ብሓገዝ ዝተበርከተ መሳርሒ፡ ነቲ ኣብ ሕክምና ኲሊት ክወሃብ ዝጸንሐ ኣገልግሎት ሓጋዚ ከምዝኾነ ገሊጻ።

ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ግብጺ ኣብ ኤርትራ፡ ኣሰይድ ያስር ሃሽም ብወገኑ፡ እቲ ኣቚሑ – ኤርትራ ኣብ መዳይ ጥዕና ንትገብሮ ዘላ ጻዕሪ ኣበርክቶ ክህልዎ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ድሕሪ’ቲ ናይ ምርኽኻብ ስነስርዓት፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴንን ኣምባሳደር ሪፓብሊክ ግብጺ ያስር ሃሽምን፡ ብካልኦት ሰብ-መዚን ሞያውያንን ሚኒስትሪ ጥዕና ተሰንዮም፡ ነተን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ንሆስፒታል ብርሃን ዓይኒ ዝተበርከታ ማሽናት ድሕሪ ምዕዛብ፡ ኣብ ካልኦት ትካላት ጥዕና ዑደት ኣካዪዶም።

Categories