ብክፍሊ ባህልን ስፖርት ዞባ ሰ/ቀ/ ባሕሪ ዝተወደበ፡ ኣብ ከባቢታት ቡያ፡ ኣዱሊስን ኢንገልዔላን ኣብ ዝካየዱ ዘለዉ ንጥፈታት ስነ-ኩዕታን ዳህሳስን ከምኡ’ውን ኣብ ዝተኻየዱ መጽዕናትታን ርኽበታትን መጻኢ ኣመታቶምን ዘተኰሩ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ፡ ብኤርትራውያንን ወጻእተኛታትን ክኢላታት ብ13 ለካቲት ዓውደ-ዘተ ተኻዪዱ።

ኣብ ከተማ ባጽዕ ኣብ ዝተኻየደ ዓውደ-ዘተ፡ ደናክል ለጠቕታ ኤርትራ፡ ወደብ ኣዱሊስን መጻኢ ኣገዳስነቱን ኣብ ሕብረተሰብ፡ መጽናዕትን ምሕደራን ባህላዊ ውርሻ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ከምኡ’ውን ኣገዳስነት ስነዳ ባህላዊ ውርሻ ኣብ ዝብሉ ዛዕባታት መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ቀሪቦም።

ኣብ ኮሚሽን ባህልን ስፖርትን ሓላፊ ጨንፈር መጽናዕትታትን ስነ-ጥንትን ስነህዝብን ዶ/ር ጸጋይ መዲን፡ “ደናክል ለጠቕታ ኤርትራ” ብዝብል ኣብ እንገዔላራሙድ ካብ 2012 ክሳብ 2019፡ ካብ 1995 ክሳብ 2019 ድማ ኣብ ቡያ ናይ ዝተኻየዱ መጽናዕታዊ ፕሮጀክትታትን ኣብኡ ዝተረኸቡ ኣገደስቲ ጥንታዊ ኣሰራትን ሰፊሕን ዝርዝራውን መብርሂ ሂቡ።

ዶ/ር ጸጋይ፡ ዛጊት ተረኺቦም ዘለዉ ኣገደስቲ ጥንታዊ ኣሰራት ንስልጣነ ሕብረተሰብ’ቲ ከባቢ ብሓፈሻ፡ ንኤርትራ ከኣ ብፍላይ መላግቦ ስልጣነታት ዓለምና ዝነበረ ሃጓፍ ዝምልእ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ኣቓልቦ ብዙሓት ክኢላታት ስሒቡ ከምዘሎ ኣረዲኡ። ውጽኢት ርኽበት ካብ 26 ለካቲት ክሳብ 6 መጋቢት ኣብ ዮሞ – ባርሰሎና ኣብ ዝካየድ ዓመታዊ ፈስቲቫል ከቕርቡዎ ምዃኖም ድማ ሓቢሩ።

ኣወሃሃዲት ስነ-ጥንታዊ ምርምር ፕሮጀክት ኣዱሊስ፡ ፕሮፌሰር ሰሬና ማሳ፡ ጥንታዊት ወደብ ኣዱሊስ – ኣገዳስነታን ጽልዋኣን ድሕሪ ምጥቃስ፡ ተደጋጋሚ ብዘይስነ-ፍልጠታዊ ኣገባብ ኩዕታ ከምእተኻየደላን ከም ውጽኢቱ ከቢድ ዕንወት ከምዝወረደን ኣገንዚባ። በዚ ካብ 2011 ዝጀመረ ሓባራዊ ፕሮጀክት፡ ዛጊት ብርክት ዝበሉ ሓደስቲ ርኽበታት ከምዝተረኽቡ እውን ገሊጻ። (ነዚ ዝምልከት ጸብጻብ፡ ኣብ ናይ ጽባሕ ሕታምና ክቐርብ እዩ)

Categories