ጨንፈር ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ) ኣብ ሽወደንን፡ ኣብ እስራኤል ዝነብሩ ኤርትራውያን መንእሰያትን፡ ስድራ ስዉኣትን ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናትን ንምድጋፍ – ብዝሓየለ ከምዝነጥፉ ገሊጾም።

ዛጊት 250 ስድራ ስዉኣት ናይ ምጥዋር ሓላፍነት ብምውሳድ ዝንቀሳቐሱ ዘለዉ – ብ‘ማሕበር ፍኖተ-ሰማእታት’ ዝተጠርነፉ ኣብ እስራኤል ዝነብሩ መንእሰያት፡ ብ19 ጥሪ ኣብ ዝወደቡዎ መደብ፡ 21 መንእሰያት ነፍሲ-ወከፎም 750 ዶላር ብምውጻእ፡ 15,750 ዶላር ንመናበዪ ስድራ ስዉኣት ክውዕል ወፍዮምዎ።

ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ እስራኤል ኣቶ ሰሎሞን ክንፈ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ እቲ ማሕበር ንዝገብሮ ዘሎ ሕልናዊ ዕግበት ዝፈጥር ሃገራዊ ኣበርክቶ ኣመስጊኑ።

ኣብ ሽወደን ድማ፡ ጨንፈር ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ ኣብታ ሃገር፡ ብምኽንያት ኣህጉራዊ መዓልቲ ስንኩላን፡ “መብጽዓ ንብሩህ መጻኢ” ብዝብል ቴማ ኣብ ዝወደቦ መደብ – ሄለን ኤርትራ ዝተባህለት ኣብ ኖርወይ እትቕመጥ ኤርትራዊት ዘቕረበቶ ኢደ-ጥበባዊ ስራሓት ብመልክዕ ጨረታ ተሸይጡ ዝተረኽበ 24 ሽሕ ክሮነር፡ ኣብ መዓላ ስንኩላን ኲናት ክውዕል ተበርኪቱ።

ኣቦ-መንበር’ቲ ጨንፈር ኣቶ ተኸስተ ፍስሃየ፡ ስንኩላን ማሕበራውን ጥዕናውን ጸገማቶም ዘቃልሉሉ ፕሮጀክትታት ኣብ ምትግባር – ከካይዱዎ ንዝጸንሑ ጻዕሪ ብዝለዓለ ከምዝቕጽሉዎ ኣረጋጊጹ።

Categories