Archive - 2018

ሌ/ኮሎኔል ጴጥሮስ ወልዱ ተሰዊኡ

ሓላፊ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ወተሃደራዊ ሃንደሳ ሚኒስትሪ ምክልኻል፡ ገዲም ተገዳላይ ሌተና ኮሎኔል ጴጥሮስ ወልዱ (ጭኩን)፡ ብዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ሕማም ብ6 ለካቲት ኣብ መበል 61 ዓመት ዕድመኡ ተሰዊኡ። ኣብ መወዳእታ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት...

ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ኣብ ‘ሕጊ’ ዘተኰረ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ

ተመሃሮ ኮለጅ ጥበባትን ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠትን ከምኡ’ውን ኮለጅ ንግድን ስነ-ቊጠባን፡ ኣብ ሕጊ ዘተኰረ ኣስተምህሮ ተዋሂቡዎም። ኣብ’ቲ መማህራንን ኣለይትን እውን ዝተሳተፍዎ ኣስተምህሮ፡ ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ደቡብ ኮሎኔል ዘሚኪኤል ተኽልያ፡ ተልእኾን ዕማማትን ፖሊስ...

ሚ/ትምህርቲ፡ ኣብ ውጥን ስራሕ 2018 ዝዘተየ ኣኼባ ኣካዪዱ

ሚኒስትሪ ትምህርቲ፡ ኣብ ትግባረ መደባት 2017ን ውጥን ስራሕ 2018ን ዘተኰረ ኣኼባ፡ ብ6ን 7ን ለካቲት ኣብ ኣዳራሽ ማእከላይ ቤት- ጽሕፈቱ ኣካዪዱ። ሚኒስተር ሰመረ ርእሶም – እቲ ርክብ፡ ካብ 2013 ክሳብ 2017 ክስራሓሉ ንዝጸንሐ ውጥን ጽላት...

ኣህጉራዊ መዓልቲ ‘ኣይፋል ንምኽንሻብ ደቂ-ኣንስትዮ’ ተዘኪራ

ኣህጉራዊ መዓልቲ “ኣይፋል ንምኽንሳብ ደቂ-ኣንስትዮ”፡ “ምብቃዕ ምኽንሳብ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ፖለቲካዊ መርገጺና እዩ” ብዝብል ቴማ፡ ብደረጃ ሃገር ብ6 ለካቲት ኣብ ኣስመራ ተዘኪራ። ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ሃገራውያን ማሕበራትን ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ኣደ...

Login

Categories