ኣህጉራዊ መዓልቲ “ኣይፋል ንምኽንሳብ ደቂ-ኣንስትዮ”፡ “ምብቃዕ ምኽንሳብ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ፖለቲካዊ መርገጺና እዩ” ብዝብል ቴማ፡ ብደረጃ ሃገር ብ6 ለካቲት ኣብ ኣስመራ ተዘኪራ።

ኣብ’ቲ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን መንግስቲን ሃገራውያን ማሕበራትን ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ፡ ኣደ-መንበር ሃማደኤ ወይዘሮ ተኽኣ ተስፋሚካኤል፡ “እዛ ዕለት፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ብደረጃ ሃገር ዝተቓለስናሉ ምውጋድ ምኽንሻብ ደቂ-ኣንስትዮ፡ ነበረያ-ነበረ ክንገብሮ ቃል እንኣትወላ ዕለት’ያ” ድሕሪ ምባል፡ እቲ ዝካየድ ጻዕሪ – ኣብ ጉዳይ ክሽቦ ጥራይ ከይተደረተ፡ ኣብ ኩሉ ኣብ ልዕሊ ደቂ-ኣንስትዮ ዘጋጥም ጐዳኢ ልምድታት ክኸውንን፡ ውህደት ኩለን ዝምልከተን ኣካላት ክህሉን ተላብያ።

ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን፡ ክሽቦ ጓል-ኣንስተይቲ ንነዊሕ እዋን ኣብ ሕብረተ-ሰብ ሰሪጹ ዝጸንሐ ብምዃኑ፡ ንምውጋዱ – ሓያል ጻዕሪ፡ ደጋጊምካ መብጽዓኻ ምሕዳስን ተወሃሂድካ ምስራሕን ከምዘድሊ ኣገንዚባ።

ክሽቦ ጓል-ኣንስተይቲ፡ ክሳብ 2030 ብኹለን ሃገራት ዓለም ክውገድ ኣብ ሸቶታት ዘላቒ ምዕባለ ሰፊሩ ምህላዉ ዝጠቐሰት ሚኒስተር ኣሚና፡ ኤርትራ ንትግባረኡ ብዕቱብ ትሰርሕ ከምዘላ ኣረዲኣ። ደቂ-ኣንስትዮ ብፍላይ – እቲ ዝሓለፋኦ ስቓይ ኣብ ልዕሊ ደቀን ንኸይድገም ጸኒዐን ክቃለሳ እውን ጸዊዓ።

ኣወሃሃዲት ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ሚስስ ሱዛን ንጎንጊ ድማ፡ ክሽቦ ደቂ-ኣንስትዮ ክሳብ 2030 ናብ ዜሮ ንምውራዱ ብደረጃ ዓለም ተወጢኑ ዘሎ መደብ ክዉን ንምግባር፡ መንግስቲ ኤርትራ ብምውህሃድ ኩለን ዝምልከተን ኣካላት ንዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ሞጒሳ።

Categories