Archive - 2018

ማእከል – ንመሰላት ቈልዑ ዝምልከት ሰሚናር ተኻዪዱ

ኣብ ዞባ ማእከል፡ ካብ 13 ንኡሳን ዞባታት ዝመጻ ኮሚቴታት ዝተሳተፋኦ፡ ኣብ መሰላት ቈልዑን ተራ ኮም ኣብ ምድንፍዖምን ዘተኰረ ሰሚናር፡ ብ12ን 13ን ሚያዝያ ተኻዪዱ። ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ሓላፊ ማሕበራዊ ድሕነት ኣቶ ዘርእዝጊ ዮውሃንስ፡...

እምኒ-ሓይሊ – ኣርባሕቲ ከብቲ ቀረብ ጸባ ከውሕሱ ይሕተቱ

ኣብ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ ዝነጥፉ ብማሕበር ዝተጠርነፉ ኣርባሕቲ ናይ ጸባ ከብቲ፡ ኣብ ከባቢኦም ንዝርከብ ሕርሻዊ ጸጋታት ብግቡእ መዝሚዞም ምህርቶም ከሰስኑ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ኣብርሃም መኮነን ኣዘኻኪሩ። ዓውዲ ምርባሕ ናይ ጸባ ከብቲ ዛጊት ከም’ቲ ዝድለ...

ጊንዳዕ፡ – ኣስታት 100 ሄክታር ብኮማዊ ወፈራ ተዛልዩ

ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ፡ ብኣላይነት ክኢላታት ሕርሻ ኣብ 12 ዓድታት ብዝተኻየደ ኮማዊ ወፈራታት፡ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ኣስታት 100 ሄክታር ከምእተዛለየ ተሓቢሩ። ውጽኢት ናይ’ቲ ወፍሪ ንምግምጋም ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ፡ ክኢላ ምዕቃብ ማይን ሓመድን ኣቶ ሕሩይ...

ጋሽ-ባርካ – ማሕበር መማህራን ብቕዓት ትምህርቲ ንምርግጋጽ ይሰርሕ

ማሕበር መማህራን ጨንፈር ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣወዳድባኡ ብምሕያል ተራ መማህራን ኣብ ምርግጋጽ ብቕዓት ትምህርቲ ንምዕባይ ኣበርቲዑ ይሰርሕ ከምዘሎ፡ ኣብ ከተማ ባረንቱ ኣብ ዝተገብረ ርክብ ኣረጋጊጹ። ኣቦ-መንበር’ቲ ጨንፈር መምህር ዩሱፍ ዳኒክ፡ ዕላማ ማሕበር፡ ኣብ...

Login

Categories