ገዲም ተጋዳላይ ኣብርሃም ዓንደማርያም (ሓዎም)፡ ብዝሓደሮ ሕማም ኣብ መበል 71 ዓመቱ ብ10 ታሕሳስ 2018 ተሰዊኡ።

ተጋዳላይ ኣብርሃም፡ ካብ 1971 ክሳብ 1974፡ ኣብ ውድባት ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ህዝባዊ ሓይልታትን ከም ሓፋሽ ውድባት ክቃለስ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብ ግንቦት 1975 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ተሰሊፉ። ክሳብ 1977 ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ድሕሪ ምግልጋል ድማ፡ ናብ ክፍሊ መጐዓዝያ ተቐዪሩ።

ተጋዳላይ ኣብርሃም ዓንደማርያም፡ ኣብ ገድላዊ ህይወቱ ኣብ ክፍሊ መጐዓዝያ፡ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ሚኒስትሪ ዞባዊ ምምሕዳራት፡ ሚኒስትሪ ጸዓትን ማዕድንን፡ ሚኒስትሪ መሬት ማይን ኣከባቢን ብሞያኡን ዝተፈላለየ ጽፍሒታት ሓላፍነትን ንሃገሩን ህዝቡን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ ኮይኑ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ስዉእ ተጋዳላይ ኣብርሃም ዓንደማርያም፡ ሎሚ 11 ታሕሳስ፡ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ክፍጸም’ዩ።

ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባቢን ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ ኣብርሃም ዓንደማርያም ዝተስመዖ መሪር ሓዘን እናገለጸ ንስድራቤቱን መቓልስቱን ጽንዓት ይሃብኩም ይብል።

Categories