“ማሕበር – ኣብ ቻይና ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቲ ዝተኸታተሉ ኤርትራውያን”፡ ብ1 ታሕሳስ ኣብ ቀጽሪ ኤምባሲ ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ኤርትራ፡ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ተመስሪቱ።

እዚ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ቻይና ንዝተማህሩ ኤርትራውያን ዝጥርንፍ ማሕበር፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ቻይናን ኣብ ትምህርታዊ መዳይ ዝግበር ምትሕግጋዝ ንምድንፋዕ፡ ንኽልቲአን ሃገራት ዘርብሕ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ንምድራኽን ንምሕጋዝን፡ ከምኡ’ውን ካልእ ንኽልቲአን ሃገራት ዘርብሕ ንጥፈታት ንምክያድ ዝዓለመ’ዩ።

እቲ ማሕበር ብተወሳኺ፡ ባህላዊ መደባት ብምውዳብ ባህላዊ ምትእስሳር ንምሕያል፡ ትምህርቲ ቋንቋታት ቻይና ኣብ ኤርትራ ምምዕባል፡ ክለብ ኤርትራቻይና ንምምስራት ምንጣፍ፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ሓባራዊ ኣገዳስነት ዘለዎም ንጥፈታት ንምድራኽን ንምትብባዕን ይሰርሕ።

ኣምባሳደር ህዝባዊት ሪፓብሊክ ቻይና ኣብ ኤርትራ ሚስተር ያንግ ዚ ጋንግ ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ ርብዒ ዘመን ዘቚጸረ ወግዓዊ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ቻይናን ኤርትራን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽላታት ብዝግበር ዘሎ ምትእስሳር ይዓቢ ከምዘሎ፡ ምምስራት ናይ’ዚ ማሕበር ድማ ነዚ ዝምድና ዝያዳ ድርኺት ከምዝፈጥር ገሊጹ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ምርምርን ምምዕባል ዓቕሚሰብን ኣቶ ጴጥሮስ ሃይለማርያም ድማ፡ ምምስራት ናይ’ዚ ማሕበር፡ ንዝምድና ክልተአን ሃገራት ዝያዳ ከምዘሐይሎ ዘለዎ ጽኑዕ እምነት ብምግላጽ፡ ንኽልቲኡ ህዝብታት ብዝበለጸ ዘራኽብ ድልድል ምህናጽ፡ ንኣባላት ማሕበር ዝጽበ ዕማም ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ናይ ላዕለዋይ ደረጃ ትምህርቶም ኣብ ቻይና ካብ ዝተኸታተሉ ተመሃሮ፡ ተመኲሮኦምን ጦብላሕታኦምን ኣብ ቻይና ዝገልጽ መደብ ቀሪቡ።

Categories