ወግዓዊ ስነ-ስርዓት ምብጋስ ሃገራዊ ወፍሪ ክታበት ንፍዮን ሩቤላን ምዕዳል ቪታሚን ’ኤ’ን፡ ሚኒስተራትን ካልኦት ሰበ-ስልጣንን፡ ከምኡ’ውን ናይ ልምዓት መሻርኽቲ ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ትማሊ 21 ሕዳር ኣብ ኣስመራ – ኮማዊ ሆስፒታል ቤት-መኻእ ተኻዪዱ።

ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ ክታበት፡ ሓደ ካብ’ቶም ኣድማዕቲ ጥዕናውን ክሊኒካውን ኣገልግሎታት፡ ከምኡ’ውን ሕመረት ሜላታት ምክልኻል ሕማማት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ብፍላይ መደባት ክታበት ህጻናትን ቈልዑን፡ ሓደ ካብ ዓንድታት ምውሓስ ጥዑይ ወለዶን ቊጠባዊ ምዕባለን ስለዝኾነ፡ ኤርትራ ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ብሓፈሻ፡ ኣሉታዊ ጽልዋ ብክታበት ክንከላኸሎም እንኽእል ሕማማት ድማ ብቐንዱ ንምግታእ፡ ኣበርቲዓ ክትሰርሕ ምጽናሓን ዓበይቲ ዓወታት ከም እተጐናጸፈትን ገሊጻ።

“ምስፋሕ ክታበት ኣብ ኤርትራ፡ ሓደ ካብ’ቶም ዕዉታት መደባት’ዩ” ዝበለት ሚኒስተር ኣሚና፡ ብደረጃ ሃገር 285 ቀወምቲ፡ 385 ግዝያውያን ነቚጣታት ክታበት ከምዘለዉ፡ 95 ሚእታዊት በጺሑ ዘሎ ሸፈነ ክታበትን ኤርትራ ኣብ መዳይ ክታበት ዝተጐናጸፈቶ ኣህጉራዊ ሽልማታትን ድማ ናይ’ዚ ውጽኢት ከምዝኾነ ኣብሪሃ። ክታበት ንፍዮን ሩቤላን፡ ካብ’ዚ ዕለት’ዚ ኣካል ስሩዕ መደባት ክታበት ኮይኑ ከምዝቕጽል እውን ኣፍሊጣ።

ኣብ ምንካይ ሞት ህጻናት ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወት፡ መርኣያ ጽኑዕ መብጽዓ መንግስቲ ኤርትራ ምዃኑ፡ ኣበርክቶ መደባት ክታበት ኣብ’ዚ መዳይ’ዚ ድማ ልዑል ምዃኑ ዝጠቐሰት ወኪል ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ጆዘፊን ናምቦዘ፡ ንፍዮን ሩቤላን ንምጥፋእ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ፡ ኤርትራ – ካብ’ተን ዓቢ ግምት ዝወሃበንን ትጽቢት ዝግበረለንን ሃገራት ኣፍሪቃ ብቐዳምነት ከም እትጥቀስ ብምሕባር፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ኣህጉራውያን መሻርኽትን፡ ጻዕሪ ኤርትራ ንምድጋፍ ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጻ።

ወኪል ማዕከን ህጻናት ሕቡራት ሃገራት (ዩኒሴፍ) ዶክተር ፕየር ንጎም ብወገኑ፡ እዚ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመታት ምድላዋት ዝብገስ ዘሎ ወፍሪ ክታበት ንፍዮን ሩቤላን፡ ኣካል ናይ’ቲ ጥዕና ህጻናት ኤርትራ ንምውሓስ ዝካየድ ጻዕሪ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ሚኒስትሪ ጥዕና ድሮ ኣዋዲድዎ ብዘሎ መሓውር፡ ሸቶኡ ከምዝወቅዕ ዘጠራጥር ከምዘየለ ሓቢሩ።

ሎሚ ዓመት ንፈለማ እዋን ተበጊሱ ዘሎ ሃገራዊ ወፍሪ ክታበት ንፍዮን ሩቤላን ምዕዳል ቪታሚን ‘ኤ’ን፡ ልዕሊ 1.5 ሚልዮን ህጻናትን ቈልዑን ክሽፍን ትጽቢት ይግበር።

Categories