ዓመታዊ ፈስቲቫል ማሕበረ-ኮም ኤርትራውያን ነበርቲ ጅዳን ከባቢኣን፡ “ራእይ ብዕዮ” ብዝብል ቴማ፡ ብ21 ሕዳር ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ብልዑል ማዕርግ ተኸፊቱ።

ሚኒስተር ዑስማን፡ ብጠቕላሊ ቈንስል ሃገረ ኤርትራ ኣብ ጅዳ ኣቶ ዓብዱራሕማን ዑስማንን ካልኦት ሰብ-መዚን ተሰንዩ፡ ብተመሃሮ ኣህጉራዊ ቤት-ትምህርቲ ኤርትራን መንእሰያት ህግደፍን ዝተዳለወ ምርኢት ምህዞን ሰንዓን፡ ስእላዊ ምርኢት፡ ከምኡ’ውን ብኣባላት ሃማደኤ ጨንፈር ጅዳ ዝተዳለወ ምርኢት ኢደ-ስራሓትን ባህላዊ መግብን ተዓዚቡ።

ኣቶ ዓብዱራሕማን፡ ፈስቲቫል – መቐጸልታ ናይ’ቶም በብዓመቱ ዝካየዱ፡ ሓድነት፡ ጥምረትን ልዑል ውዳበን ማሕበረኮም ዝዅስኵሱ መሰናድኦታት ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፡ ኣብ ዓወት ናይዚ ሃገራዊ ምትእኽኻብ ልዑል ኣበርክቶ ንዝገበሩ ምስጋና ኣቕሪቡ።

እቲ ናይ መኽፈቲ ስነ-ስርዓት፡ ቀያሕቲ ዕንባባን መንእሰያት ህግደፍን ብዘቕረብዎ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታት፡ ውድድራት ቅዲ ክዳን፡ ከምኡ’ውን ካልኦት ኣዛነይቲ ውድድራት ደሚቑ ምንባሩ፡ ልኡኻት ሚኒስትሪ ዜና ሓቢሮም።

ኣብ መወዳእታ፡ ብመልክዕ ውድድር ኣብ ዝተሰርዐ መደባት ንዝተዓወቱ ሽልማት ተዓዲሉ።

ናይ ሎሚ ዓመት ፈስቲቫል፡ ኣብ ሃዋሁው ሰላም፡ ከምኡ’ውን ኣብ ጽባሕ ናይቲ ንጽንዓት ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ዘመስከረ ምልዓል ዘይፍትሓዊ እገዳ ይካየድ ብምህላዉ – ድርብ ሓበን ምዃኑ ዝገለጹ ተሳተፍቲ፡ መደባት ህንጸትን ልምዓትን ንምዕዋት ከም ወትሩ ድሉዋት ምህላዎም ኣረጋጊጾም።

እቲ ፈስቲቫል፡ ብሰሚናር ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ባህላዊ መደባትን ካልእ መሰናድኦታትን፡ ክሳብ ሎሚ 23 ሕዳር ክቕጽል እዩ።

Categories