ብኣጋጣሚ’ቲ “ጽባሕ ብዘይ ኣማራጺ ንኸይንተርፍ፡ መድሃኒታት ጸረ-ባክተርያ ብግቡእ ንጠቐመሎም” ብዝብል ቴማ ብ12 ሕዳር ጀሚሩ ክሳብ 18 ሕዳር ዝቐጸለ ኣህጉራዊ ቅነ መድሃኒታት ጸረ-ባክተርያ፡ ኣብ ኩለን ዞባታት ሃገርና ንቕሓት ህዝቢ ኣብ ተጠቃምነት ናይ’ቶም መድሃኒታት ዘዕቢ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

እዚ ብምትሕብባር ሚኒስትሪታት ጥዕናን ሕርሻን ዝተኻየደ ጎስጓሳዊ ስራሓት፡ “ብዘይ ትእዛዝን መምርሒታትን ናይ ሓኪም – ጸረ-ባክተርያን ጸረ-ነፍሳትን መድሃኒት ኣይትጠቐም”፡ “መድሃኒት ጸረ-ባክተርያ – ብቫይረስ ንዝስዕቡ ሕማማት ኣይፍውስን”፡ “ንኣኻ ዝተኣዘዘ መድሃኒት ጸረ-ባክተርያ ንኻልኦት ኣይተካፍል”፡ “ጸረ-ባክተርያ መድሃኒት ንኹሎም ሕማማት ዝፍውስ ኣይኮነን”፡ ዝብል ቀንዲ መልእኽትታት ንምስራጽ ዝዓለመ’ዩ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ዞባ ጋሽባርካ ሓላፊ ኣገልግሎት መድሃኒት ኣቶ ንኣምን ገብረመድህን ኣብ ዘስመዖ ቃል፡ እቲ ዞባ ሰፊሕ ሕርሻዊ ንጥፈታት ዝካየደሉን ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ዝዳወብን ስለዝኾነ፡ ዜጋታት ብሓፈሻ ሓረስቶት ድማ ብፍላይ ሓያል ጥንቃቐ ክገብሩ ብምዝኽኻር፡ ንጸረነፍሳትን ጸረ-ባልዕን መድሃኒታት ከም ናይ መወዳእታ ምርጫ ክገብሩዎ፡ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ድማ ምኽሪ ሞያውያን ጥዕናን ሕርሻን ክውከሱ ተላብዩ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝተኻየደ ጎስጓሳት ድማ፡ ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ጥዕና ኣብ’ቲ ዞባ ዶክተር ኣማኑኤል ምሕረትኣብ፡ ንኣበርክቶ መድሃኒታት ጸረ-ባክተርያ ኣብ ምውሓስ ጥዕና ጠቒሱ፡ ብሰንኪ ፍኑውን ዘይግቡእን ኣጠቓቕማና ግን ጥቕሚ-ኣልቦ ናይ ምዃን ሓደጋታት ኣንጸላልይዎም ስለዘሎ፡ ብኣፍልጦን ትእዛዝን ሞያውያን ጥዕና ጥራይ ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ከምዝግባእ ኣስሚሩሉ።

እዚ ጎስጓሳዊ መደባት፡ ኣብ ዞባታት ዓንሰባ፡ ማእከል፡ ደቡባውን ሰሜናውን ቀይሕባሕሪ፡ ኣብ ትካላት ጥዕናን ትምህርትን፡ ከምኡ’ውን ብመንገዲ በረርቲ ጽሑፋት ከም ዝተኻየደ፡ ወኪላት ኤሪና ሓቢሮም።

Categories