ኣብ ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ንሰለስተ መዓልታት ኣከታቲሉ ብዝሃረመ ዝናብ ዝዓነወ ትሕተ-ቅርጺ ሕርሻ ንምጽጋን፡ ብማሽነሪ ዝተደገፈ ስራሓት ይካየድ ከምዘሎ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

በቲ ቅድሚ 10 መዓልታት ዝወቕዐ ዝናብ፡ ብፍላይ ብሩባ ማይ-ኡለ ዝወረደ ብርቱዕ ውሕጅ፡ ኣብ’ዚ ቀረባ እዋን ዝተሰርሐ 1,500 ሜትሮ ንውሓት ዝነበሮ ዓግም ብምዕናዉ፡ ሕርሻታት ግዔነብ ምሉእ ብምሉእ እዩ ተደምሲሱ።

እቲ ዕንወት፡ ዳርጋ ኣብ መብዛሕትኡ ምምሕዳራት ከባቢ ዘጋጠመ ምዃኑን፡ ልዕሊ 3,500 ሄክታር ናይ ሕርሻ መሬት ብከቢድ ከምእተሃስየን፡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ፡ ኣቶ ሓሰን ጅምዕ፡ እቲ ብምብሕጓግ መሬት ተሃስዩ ዘሎ ትሕተ-ቅርጺን ግራውትን ልዕሊ ዓቕሚ ሓረስቶት ስለዝኾነ፡ ብደገፍ ዶዘር ይሰላሰል ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ሽዕብ፡ ብክራማት ከበሳን ባሕርን ዝሕረስ ልዕሊ 8000 ሄክታር ከምዘሎ፡ ሰነዳት ቤት-ጽሕፈት ሕርሻ’ቲ ንኡስ ዞባ የረድእ።

Categories