ምክትል ዋና ዳይረክተር ኣቶ ደረጀ ዎርዶፋ ዝመርሖን፡ ዞባዊ ዳይረክተር ኣብ ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ማእከላይ ቤት-ጽሕፈት ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ክፍሊ ፖሊሲን ስትራተጂን ዝርከብዎን – ላዕለዋይ ጉጅለ ልኡኽ ማዕከን ህዝቢ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ።

ኣብ’ዚ ብ18ን 19ን ጥቅምቲ ዝተኻየደ ዑደት፡ እቲ ላዕለዋይ ጉጅለ፡ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ ሚኒስተር ሃገራዊ ልምዓት ዶክተር ገርጊስ ተኽለሚካኤል፡ ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን፡ ከምኡ’ውን ሓለፍቲ ሃማመተኤ፡ ሃማደኤን ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ጥዕና ኣስመራን ተራኺቡ፡ ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዛዕባታትን ገስጋስ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ተራኡ ኣብ ብልጽግና ክልቲአን ሃገራትን ዞባና ብሓፈሻን ተዘራሪቡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ሰላም መሰረት ናይ ኩሉ መደባት ዕብየትን ብልጽግናን ምዃና ስለዝኣምን – ሓያል ጻዕሪ ከካይድ ምጽንሑ፡ ምስ ኢትዮጵያን ካልኦት ሃገራት ናይ’ዚ ዞባን ዝተኸተመ ናይ ሰላምን ምሕዝነትን ስምምዓት ድማ ፍረ ናይ’ዚ ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ሕቡራት ሃገራት ነዚ ብምድጋፍ፡ ኣብ ዝሰላሰል መደባት ልምዓትን ሽርክነትን ግቡእ ተራኡ ክጻወት ኣተሓሳሲቡ።

ኣቶ ደረጀ ብወገኑ፡ ንምዕባለታት ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዮሃናኡ ድሕሪ ምግላጽ፡ እዚ ንዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብእወታ ከምዝጸልዎ ጽኑዕ እምነቱ ገሊጹ።

ምስ ሚኒስተር ሃገራዊ ልምዓት ዶክተር ገርጊስ ተኽለሚካኤል ኣብ ዝተኻየደ ርክብ ድማ፡ ኣቶ ደረጀ፡ ኤርትራ ኣብ ጥዕና፡ ትምህርቲ፡ ሕርሻን ካልኦት ጽላታትን ንዝተጐናጸፈቶ ዓወታት ዘለዎ ኣድናቖት ብምግላጽ፡ ብመገዲ “ስትራተጅያዊ ፍኖት ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝ 2017 ክሳብ 2021”፡ ምስ ትካላት ውድብ ሕቡራት ትገብሮ ንዘላ ምትሕብባር ሞጒሱ።

ህንጸት ሃገር ተወፋይነትን ቅኑዕ ቅየሳን ዝሓትት ነዊሕ መስርሕ ምዃኑ ዝጠቐሰ ዶክተር ገርጊስ ብወገኑ፡ መንግስቲ ኩሉ ዓቕሚታቱ ኣወሃሂዱ ብዘሰላስሎ ዘሎ ዕዮ፡ ክሳብ 2030 ክትግበር ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝተቐመጠ “ዘላቒ ሸቶታት ምዕባለ”፡ ኤርትራ ኣቐዲማ ክትበጽሖ ምዃና ኣረጋጊጹ።

እቲ ላዕለዋይ ልኡኽ ማዕከን ህዝቢ ሕቡራት ሃገራት ብዘይካ’ዚ፡ ብሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሕሴን ተሰንዩ፡ ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ዞባ ደቡብ ዝርከብ ማእከል ሕክምና ፊስቱላ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ኮማዊ ሆስፒታል ዓዲ-ዃላ ዝርከብ መጸበዪ ነፍሰ-ጾራት በጺሑን ብዛዕባ’ቲ ኣገልግሎታት ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋዊጡን።

Categories