ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ፡ ብ19 ጥቅምቲ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ብዝሃረመ ሓያል ህቦብላን በርቅን ዝተሓወሶ ዝናብ፡ 3 ኣባላት ሓንቲ ስድራ ዝርከብዎም ኣርባዕተ ሰባት ብበርቂ ሞይቶም።

በዚ ኣብ ዓድታት ደርዓንቶ፡ ዓዲ ዓዳን ዓዲ ጋርማን ዘጋጠመ ባህርያዊ ሓደጋ፡ ክልተ ብኸቢድ ዝተሃስዩ ዝርከብዎም ሽድሽተ ቊሱላት፡ ኣብ መወከሲ ሆስፒታል ዞባ ደቡብ ክንክን ይግበረሎም ከምዘሎ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢራ።

ሜዲካል ዳይረክተር መወከሲ ሆስፒታል ዞባ ደቡብ ዶ/ር ሳይሞን ወልዱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ግዳያት ኣብ ክሊ ዕድመ 2 ክሳብ 60 ዓመት ምዃኖም ብምግላጽ፡ ዝበዝሑ ካብኣቶም ካብ ዝናብ ንምዕቃል ኣብ ትሕቲ ገረብ ዝተዓቚቡ ምንባሮም ኣፍሊጡ።

ዶ/ር ሳይሞን ኣስዒቡ፡ እቶም ኣብ ትሕቲ ሕክምና ዝእለዩ ዘለዉ ዜጋታት ኣብ ዝሓሸ ኩነታት ምህላዎም ብምግላጽ፡ ከቢድ ዝናብ ኣብ ዝዘንበሉ እዋን፡ ኤለትሮኒካዊ መራኸቢታት ከም ሞባይልን ረድዮን ምጥቃም ኮነ፡ ኣብ ትሕቲ ገረብ ምዕቃል ንሓደጋ በርቂ ከቃልዕ ስለዝኽእል፡ ዜጋታት ክጥንቀቑ ተማሕጺኑ።

Categories