መደብ ውህለላን ንኡስ ልቓሕን (መ.ው.ል) ጨንፈር ዞባ ማእከል፡ ኣብ ትሑት መነባብሮ ንዝርከቡ ዜጋታት ልቓሕ ብምሃብ መነባብሮኦም ንምምሕያሽ ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ – ዘተባብዕ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ፡ ቊጽሪ ዓማዊሉ ድማ ኣብዚ ዓመት’ዚ ብ5 ሚእታዊት ከምዝዓበየ ሓቢሩ።

ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ኣቶ ሃይለ እምባየ፡ ዕላማ’ቲ መደብ፡ ብቐንዱ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ዝርከቡ ዜጋታት መበገሲ ደገፍ ንክረኽቡ ምዃኑ ኣረዲኡ። ኣስታት 7 ሽሕ ዓማዊል ከምዘለውዎን ልዕሊ 40 ሚልዮን ናቕፋ ርእሰ-ማል ከምዘለዎን እውን ገሊጹ።

እቲ ትካል፡ ኣብ ንኡስ ንግድ፡ ክረምታዊ ሕርሻ፡ መስኖኣዊ ሕርሻ፡ መፍረ ንህብን ደርሁን፡ ኣብ ምስባሕ እንስሳ ዘቤት ንዝተዋፈሩ፡ ከምኡ’ውን ንሰራሕተኛታት ልቓሕ ኣብ ምሃብ ከምዝነጥፍ ብምሕባር ድማ፡ ዓማዊሉ ልቓሖም ኣብ ምኽፋል ኣጥርዮምዎ ዘለዉ ንቕሓት ዘተባብዕ ምዃኑ ሓቢሩ።

ሓላፊ ናይ’ቲ መደብ ኣብ ኣስመራ ኣቶ ኤፍሬም ኣርኣያ ብግደኡ፡ ተለቃሕቲ ኣብ ኣርባሒ ንጥፈታት ክዋስኡ፡ ኩሎም መሻርኽቲ ብፍላይ ድማ ምምሕዳራት ድማ ምትሕብባሮም ከዛይዱ ተላብዩ።

ኣብ 1996 ዝቘመ ብ‘መውል’ ዝፍለጥ መደብ ውህለላን ንኡስ ልቓሕን ኣብ ዞባ ማእከል፡ ኣብ 16 ንኡሳን ዞባታት 51 ዓዳዊ ባንክታት ኣለዎ።

Categories