ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ዝኽሪ መበል 57 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ቀጽሪ ኤክስፖ ስነ-ጥበባዊ መሰናድኦታት ቀሪቡ።

እቲ ጣዕመ ዜማታትን ሙዚቃዊ ድራማታትን ዘጠቓለለ መሰናድኦታት፡ ሰንሰለት መግዛእቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ፡ ተኸታተልቲ ገዛእቲ ሓይልታት መንነት ህዝቢ ኤርትራ ንምጥፋእ ዝተኸተልዎ እኩይ ሜላታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሓድነትን ጥምረትን ዝተሰረተ ሓያል ኤርትራዊ መኸተ ዘንጸባርቕ ትሕዝቶ ነይርዎ።

ብቕድሚ ትማሊ 31 ነሓሰ መጋረጅኡ ዝቐንጠጠ ሃገራዊ ፈስቲቫል-2018፡ ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ብዘለዎም ባህላዊ መደባት ይቕጽል ኣሎ።

ኤሪና ዝተወከሰቶም ወሃብቲ ርእይቶ፡ ትሕዝቶታት ሃገራዊ ፈስቲቫል – ጌና ኣብ ምጅማሩ’ኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ’ቲ ባህላዊ ትሕዝቶኡ መሳጢን ኣዘናጋዒን ምህላው ገሊጾም። ኣብ’ቲ ቀጽሪ ተደኲነን ዝርከባ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎት ብሓፈሻ፡ ኣብያተመግቢ ድማ ብፍላይ – ዝሓታኦ ዘለዋ ዋጋ ዘይርትዓዊን ዝተጋነነን ኮይኑ ብምህላዉ፡ ዝምልከቶ ኣካል ብኣጋ መውረርያ ክገብረሉ ድማ ሓቲቶም።

ክሳብ 8 መስከረም ዝጸንሕ ፈስቲቫል ኤርትራ-2018፡ ቊሸት ዞባታት፡ ያታዊ ድኰና ኣባይቲ ብሄራትና፡ ምርኢት ምህዞን ሰንዓን፡ ምርኢት ማእከል ትምህርትን ዳህሳስን ቈልዑ፡ ደምበ ህጻናት፡ ስእላዊ ምርኢት፡ መሸጣ መጻሕፍቲ፡ ምርኢት ባዛር፡ ዕላል ምስ ገዳይም ስነ-ጥበባውያን፡ ህዝባዊ ጓይላታት ዘጠቓልል ትሕዝቶ ሒዙ ቀሪቡ ኣሎ።

Categories