ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ፈደረሽን ሩስያ ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ብ30 ነሓሰ ኣብ’ታ ሃገር ኣትዩ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ትማሊ ኣብ ከተማ ሶቺ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ ተራኺቡ፡ ኣብ ምዕዛዝ ክልተኣዊ ዝምድናን ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያትን ዘትዩ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ሚኒስተር ላቭሮቭ፡ ኣብ ዝምድናታት ኤርትራን ሩስያን ንዝምዝገብ ዘሎ ምዕባለን ዕብየትን ብምጥቃስ፡ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መጋባእያታት ንሩስያ ንእትገብሮ ደገፍ ምስጋና ድሕሪ ምቕራብ፡ ሃገሩ ምስ ኤርትራ ናይ ንግድን ወፍሪን ዝምድናኣ ከተስፍሕ ትሰርሕ ከምዘላ ኣብሪሁ።

ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝተበጽሐ ሰላምን ንዕኡ ተኸቲሉ ኣብ’ቲ ዞባ ብዝመጸ ምዕባለታትን ሕጉስ ምዃኑ’ውን ሓቢሩ።

ልኡኽ ኤርትራ ብወገኑ፡ ምድልዳል ምስ ሩስያ ዘሎ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ንኤርትራ ኣገዳሲ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ሓድሽ ፖለቲካውን ጸጥታውን ምዕባለታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዝምድናታት ሩስያ ምስ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ምስ ሃገራት’ቲ ዞባ ብሓፈሻ ንምድንፋዕ ትስፉውን ምቹእን ባይታ ዝፈጥር ምዃኑ ገሊጹ።

ሚኒስተር ሰርጌ ላቭሮቭ ኣብ መወዳእታ፡ ዝምድና ኤርትራን ሩስያን ከምኡ’ውን ኣህጉራዊ ዲፕሎማሲ ኣብ ምድንፋዕ ብዝገበሮ ኣበርክቶ፡ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ሜዳልያ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሸሊምዎ።

Categories