ኮለጅ ስነ-ፍልጠት ጥዕና ኣስመራ፡ ትማሊ 10 ሓምለ ኣብ ዘካየዶ ናይ ምምራቕ ስነስርዓት፡ 18 ብማዕርግ ማስትረይት፡ 178 ብቐዳማይ ዲግሪ፡ 263 ድማ ብዲፕሎማ፡ ብጠቕላላ 459 ተመሃሮ ኣመሪቑ።

ኣብ ቀጽሪ ህንጻ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ እቶም ንመመረቕታ ዝበቕዑ ተመሃሮ፡ 192 ብዓውዲ ነርሲን፡ 82 ብዓውዲ ስነ-መድሃኒት፡ 47 ብዓውዲ ክንክን ጥዕና፡ 138 ድማ ብዝተዛመደ ሞያታት ጥዕና ዝተማህሩ ምዃኖም ተገሊጹ።

ዲን ኮለጅ ስነ-ፍልጠት ጥዕና ኣስመራ ዶክተር ግደይ ገብረየውሃንስ፡ ንተመረቕቲ “እንቋዕ ፍረ ጻማኹም ረኣኹም” ድሕሪ ምባል፡ ኣበርክቶ’ቲ ኮለጅ ኣብ ምዕባይ ክኢላዊ ዓቕሚ-ሰብን ምምሕያሽ ኣገልግሎት ጥዕናን ሃገርና ዓቢ ምዃኑ ጠቒሳ፡ ተመረቕቲ – ዓጢቖምዎ ንዘለዉ ፍልጠትን ሞያን ከም መንጠሪ ባይታ ተጠቒሞም፡ ኣብ ዝተዋፈሩሉ ናይ ስራሕ ቦታ፡ ንዝተሰከምዎ ህዝባዊ ሓላፍነት ብዘይተጒላባነት ክሰርሑሉን ንምዕባለ ሞያኦም ክጽዕቱን ተላብያ።

ሚኒስተር ጥዕና ኣሚና ኑርሑሴን ብወገና፡ ኣብ ኩሉ ጽላታት ብሓፈሻ ኣብ ጽላት ጥዕና ድማ ብፍላይ ተመዝጊቡ ዘሎ ዓወታት፡ ሳላ’ቲ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ምምዕባል ዓቕሚ-ሰብ ዝገብሮ ዘሎ ወፍሪን ጻዕርን ምዃኑ ጠቒሳ፡ ስሉጥን ጽፉፍን ኣገልግልት ጥዕና ኣብ ኩሉ ከባቢታት ሃገር ንምብጻሕ ዝተርፍ ብዙሕ ስለዝኾነ፡ ተመረቕቲ ብዝደለብዎ ፍልጠት ዕዙዝ ተራኦም ከበርክቱ ዘለዋ እምነት ገሊጻ።

ወኪል ተመሃሮ፡ ነቲ ብክልሰ-ሓሳብ ዝተመሃርዎ ኣብ ግብሪ ብብቕዓት ከተግብርዎ ዘለዎም ቅሩብነት ኣረጋጊጹ።

ኣብ 1995 ኣብ ትሕቲ ዩኒቨርሲቲ ኣስመራ ዝተመስረተ ኮለጅ ስነ-ፍልጠት ጥዕና ኣስመራ፡ ሎሚ ዓመት ንመበል 10ይ ግዜኡ እዩ ዘመርቕ ዘሎ።

 

Categories