ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ፡ ከምኡ’ውን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረትን ኣፍሪቃዊ ሃገራዊ ባይቶ ደቡብ ኣፍሪቃን ብመራሕቲ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ተወሲዱ ዘሎ ኣዎንታዊ ናይ ሰላም ስጉምቲ ብምድጋፍ መግለጺታት ኣውጺኦም።

ንሳቶም ኣብ መግለጺኦም፡ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ፡ ዶባዊ ምስሕሓብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክዳኒ ዝቘመ ኮምሽን ዶብ ውሳነ ድሕሪ ምሃቡ፡ ንብዙሕ ዓመታት ካብ ትግባረ ተዓንቂጹ ዝጸንሐ ብይን፡ ብዘይ ቅድመ-ኩነት ክትግበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ስጉምቲን፡ መንግስቲ ኤርትራ ከም መርኣያ ጽቡቕ ድሌቱ፡ ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኡኽ ክሰድድ ምውሳኑን፡ ኣዝዩ ዘሐጉስን ዝድገፍን ስጉምቲ ምዃኑ ብምግላጽ፡ እዚ ተበግሶ’ዚ ንረብሓ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሰላምን ምርግጋእን መላእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ልዑል ኣስተዋጽኦ ከምዝህልዎ እምነቶም ገሊጾም።

ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ መግለጺኡ፡ ዘላቕነት ዘለዎ ሰላም ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት፡ ኣብ ሰላም፡ ጸጥታ፡ ልምዓትን ውህደትን ቀርኒ ኣፍሪቃ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ርግኣትን ምዕባለን መላእ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዓቢ ጽልዋ ከምዝህልዎ ብምሕባር፡ “እዚ ስጉምቲ’ዚ ነቲ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳብ 2020 ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ካብ መላእ ኣህጉር ኣፍሪቃ ግጭትን ውግኣትን ንምውጋድ ኣብ ግንቦት 2013 ዘጽደቕዎ ሸቶ ኣብ ምዕዋት ዓቢ ኣበርክቶ ኣለዎ” ክብል ኣስሚሩሉ።

መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝወሰድዎ ኣዎንታዊ ስጉምቲ ብምድጋፍ፡ ካልኦት ብዙሓት ደለይቲ ሰላምን ግዱሳት ወገናትን እውን ብማሕበራዊ ሚድያ ሓጎሶም ይገልጹ ኣለዉ።

Categories