ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ንመሬት ጤሳን ምጥርናፍ ዓድታትን ኣብ ግምት ዘእተወ ምዕዳል መሬት ጤሳ ይስራሓሉ ከምዘሎ፡ ሓላፊ ጨንፈር መሬት ኣብ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ጐይትኦም ወልደኣብዝጊ ገሊጹ።

ኣቶ ጐይትኦም፡ ድሕሪ 1998 ኣብ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ምዕዳል መሬት ደው ኢሉ ከምዘሎ፡ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ኣብ ዝርከባ ዓድታት ግን ንመንበሪ ዝኸውን መሬት ይዕደል ምህላዉ ብምሕባር፡ ካብ 2017 ኣብ ሽናራ – ንኡስ ዞባ ከረን ን236 ዜጋታት ከምእተዓደለ ኣብሪሁ።

ምስ ምጥርናፍ ዓድታት ብዝተኣሳሰር ድማ፡ ፋሕ ኢለን ንዝጸንሓ ቊሸታት ኣብ ማእከላይ ቦታ ተጠርኒፈን ማሕበራዊ ኣገልግሎት ንምውዳድ ብዝወጸ መደብ፡ ኣብ ኩርባ በረድ፡ ባሸሪን ጻሕታይን – ንኡስ ዞባ ሓመልማሎ ርእሰ-ውጥን ኣብ ዝተዳለወሉ ቦታ 212 ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም ልዕሊ 410 ዜጋታት መሬት ከምእተዋህቦም ሓቢሩ።

ኣብ ከተማ ሓጋዝ’ውን፡ ልዕሊ 180 ዜጋታት ውጥን ኣኣብ ዝወጾ ከባቢ ተጠርኒፎም መሬት ተዋሂብዎም ከምዘሎ ዝሓበረ ኣቶ ጐይቶኦም፡ ኣብ ሓውሲ ከተማ ኤደን – ንኡስ ዞባ ዒላ-በርዕድን ከረንን ካብ ውጥን ወጻኢ ንዝተሰርሐ ኣባይቲ፡ ብኣሃዱ ቅየሳ ተሳኢሉ ትሕተ-ቅርጻዊ ምትዕርራይ ይግበረሉ ከምዘሎን ኣብ ደረጃ ምጽፋፍ ከምዝበጽሐን ገሊጹ።

ካብ 1993 ክሳብ 2018 ኣስታት 30 ሽሕ ዜጋታት መሬት ከምዝሓተቱ፡ 15,675 ካብኣቶም መሬት ከምእተመርሑ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ይጽበዩ ከምዘለዉ ኣረዲኡ።

“መሬት ናይ መንግስቲ፡ ተጠቃምነቱ ድማ ንህዝቢ’ዩ” ዝበለ ኣቶ ጐይትኦም፡ ዘይሕጋዊ መሸጣ መሬት ካብ’ቲ ኣብ ከተማታትን ሓውሲ ከተማታትን ዕንቅፋት ኮይኑ ዘሎ ምዃኑ ብምምልካት፡ ዜጋታት ካብ ተመሳሳሊ ተግባራት ክቚጠቡ ተላብዩ።

Categories