ሃገራዊ መርመራ ሻሙናይ ክፍሊ ዓመተ-ትምህርቲ 2017/2018፡ ትማሊ ረቡዕ 6 ሰነ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ክወሃብ ጀሚሩ።

ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓላፊ ኣሃዱ ሃገራዊ መርመራ ኣቶ ሃብተ ኣስፍሃ ንኤሪና ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ክልተ ነቚጣታት ጅዳን ሪያድን ሓዊስካ፡ እቲ ፈተና ብጠቕላላ ኣብ 392 ነቚጣታት ከምዝካየድ ገሊጹ።

ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ፡ ኣብ’ዚ ክሳብ ጽባሕ ሓሙስ 7 ሰነ ዝቕጽል ሃገራዊ መርመራ፡ ካብ ኣህጉራዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ኤርትራውያን ነበርቲ ጅዳን ሪያድን ኣስታት 285 ተመሃሮ፡ ካብ ማእከል ምእራምን ተሃድሶን ሰምበል ድማ 38 ናይ ሕጊ ተኣረምቲ ሓዊስካ፡ 56 ሽሕ ተማሃሮ ናይ 429 ኣብያተ-ትምህርቲ ከምዝሳተፍዎ ተፈሊጡ’ሎ።

ካብ ናይ ሎሚ ዓመት ተሳተፍቲ ሃገራዊ መርመራ 8ይ ክፍሊ፡ እተን 49 ሚእታዊት ደቂ-ኣንስትዮ ክዀና እንከለዋ፡ ብዝሒ ተፈተንቲ ካብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ብ12 ሚእታዊት ዕብየት ከምዘርኣየ፡ እቲ ሓበሬታ የነጽር።

Categories