ኣብ ወጻኢ ዝነብሩን ብማሕበራዊ መራኸቢታት ዝፍለጡን ኤርትራውያን፡ ኣብ ዑና-ዋጦት – ንኡስ ዞባ ጸሮና ንእትነብር 4 ስንኩላን ደቂ ዘለዉዋ ስድራ ኣቶ ሳልሕ ኣሕመድ ዑመር፡ ኣስታት 172 ሽሕ ናቕፋ ሓገዝ ኣበርኪቶም።

እቶም ብኤርትራዊ ሓልዮት ተደሪኾም ነቲ ሓገዝ ዝገበሩ ዜጋታት፡ ብ“ማሕበር ምምዕባል እወታዊ ኣተሓሳስባ” ዝፍለጡ ኮይኖም፡ ኣብ ኣመሪካ፡ ካናዳን እስራኤልን ዝነብሩ እዮም።

ኣባላት’ቲ ማሕበር ኣቶ ዳዊት ተኸስተን ወይዘሮ ሰናይት ሃይለን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ነቲ ገንዘብ፡ “እታ ጸዋር ኣግነት” ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ዝዘርግሕዎ ሓበሬታ ከምዝኣከብዎ ገሊጾም።

ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ሃበሮ – ከባቢ ዓሪታይ ዝነብሩ ባህርያዊ ስንክልና ዘለዎም ክልተ ህጻናትን ሓንቲ መንእሰይን፡ ከምኡ’ውን ብነታጒ ክልተ ኢዱ ዝሰኣነ መንእሰይ፡ ካብ ኣባላት ማሕበረ-ኮም ኤርትራን ኣባላት ህግደፍን ነበርቲ ጀነቫ – ስዊዘርላንድ፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ረኺቦም።

እቲ ብመንገዲ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ጨንፈር ዞባ ዓንሰባ ዝተረከበ ሓገዝ 14 ሽሕ ናቕፋ ኮይኑ፡ ብ11 ግንቦት ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ድሕነትን ሓላፊ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ምምሕዳር ከባቢ ዓሪታይ ከምኡ’ውን ስድራ-ቤት ኣብ ዝተረኽቡሉ፡ ነቶም ስንኩላን ተዋሂቡ።

እቶም ሓገዝ ዝተገብረሎም ስንኩላን፡ እቲ ሓገዝ መርኣያ ኤርትራዊ ክብሪታት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ነቲ ሓገዝ ንዝለኣኹ ዜጋታት ኣመስጊኖም።

Categories