ኣብ ሰለስተ ምምሕዳራት ከባቢ ከተማ ከረን፡ ካብ 8 ክሳብ 10 ግንቦት ምርጫ ደያኑ ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ተኻዪዱ።

ሓላፊት ምክትታል ኮማዊ ኣብያተ- ፍርዲ ዞባ ዓንሰባ ወይዘሮ ሓሊማ ሳልሕ፡ እቲ ምርጫ ነቶም ኣብ ስራሕ ዝጸንሑ ንምትካእ ምዃኑ ድሕሪ ምሕባር፡ ደያኑ ንዝመረጾም ህዝቢ ብቕንዕናን ብትግሃትን ከገልግልዎ ተላብያ።

ኣብ መወዳእታ፡ ሓንቲ ጓል-ኣንስተይቲ እትርከቦም ሰለስተ ደያኑ ተመሪጾም ኣለዉ።

ዝተመርጹ ደያኑ፡ ህዝቢ ንዘሰከሞም ሓላፍነት፡ ብብቕዓት፡ ቅንዕናን ተወፋይነትን ንምፍጻም ክጽዕቱ ቃል ኣትዮም።

ኣብ ዞባ ዓንሰባ፡ ኣብ ትሽዓተ ንኡሳን ዞባታት 47 ኮማዊ ኣብያተ-ፍርዲ ኣለዋ።

Categories