ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ – ኣብ ከባቢ ሩባ ሞዖ ኣብ ዝለምዕ ዘሎ ጀራዲን፡ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ዝተራእዮ ዓፋፉን፡ ብምትሕብባር ሓረስቶትን ክኢላታት ሕርሻን ተማሕዩ ከምእተቓጸለ፡ ወኪል ኤሪና ሓቢሩ።

ኣቐዲሙ ብዛዕባ’ቲ ሓደገኛ ባልዕ ንሓረስቶት ዝተዋህበ ሓበሬታ፡ ኣብ’ቲ ዝተወስደ ስጒምቲ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምዝነበሮ፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ ኣቶ ጃበራ ኣበኪት ገሊጹ።

ህላወ’ቲ ባልዕ ክረጋገጽ ዝኸኣለ፡ ሓረስቶት ኣብ ግራውቶም ብዘካየድዎ ቀጻሊ ኰለላታት ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ጃበራ፡ ክሳብ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ምቊጽጻር ዝኣቱን ምጥፋኡ ክሳብ ዝረጋገጽን፡ ዘካይድዎ ዳህሳስን ኰለላታትን ክቕጽሉን ምትሕብባሮም ምስ ክኢላታት ሕርሻ ከዕዝዙን ኣዘኻኺሩ።

ክኢላ ምክልኻል ብቑሊ ኣቶ መሓመድ-ሓምድ ሳልሕ ብወገኑ፡ ሳጋሚ ባርኖስ ቀውዒ ኣብ እዋኑ ምቊጽጻር እንተዘይተገይሩሉ፡ ምስ ምጅማር ክራማት ኣብ ኣዝርእቲ ዓቢ ጉድኣት ከውርድ ስለዝኽእል፡ ሓረስቶት ኣብ ባህርያቱ፡ ምልክታቱ፡ ኣገባብ ምክትታሉ፡ ዘጥቅዖም ዓይነታት ኣዝርእቲ፡ ከምኡ’ውን ኣማዕቢልዎ ኣብ ዘሎ ተጻዋርነት ጸረ-ባልዕ መድሃኒት ኣፍልጦኦም ክብ ከብሉ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ሓረስቶት ኣብ ግራውቶም ንዝተራእየ ባልዓት ንምጥፋእ ዝንስንስዎ መድሃኒት ብዘይኣፍልጦ በዓል ሞያ ሕርሻ ክኸውን ከምዘይግባእ ዘዘኻኸረ ኣቶ መሓመድ-ሓምድ፡ ምልውዋጥ ዘርኢ ምዝውታርን ወቕቲ ዘርኢ ምሕላውን፡ ካብ ባልዓትን ጎድናዊ ሳዕቤናት ኬሚካላትን ንምድሓን ዝሕግዝ ሜላ ምዃኑ ኣረዲኡ።

Categories