ሓረስቶት፡ ንጸረ-ባልዕ መድሃኒት ከም ናይ መወዳእታ ኣማራጺ ክወስድዎ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣተሓሳሲቡ።

ዓይነታት ጸረ-ባልዕ ዝተፈላለዩ ምዃኖም ዝገለጸ፡ ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ሓላፊ ኣሃዱ ውሸባ ብቚሊ መንእሰይ ስዒድ ኑረዲን፡ ገለ ክሳብ ኣብ ውሽጣዊ ክፋል ናይ’ቲ ብቚሊ ዝሰርጹ፡ ገለ ድማ ኣብ ደጋዊ ክፋል ንዝረኣዩ ባልዓት ንምክልኻልን ንምቕታልን ከምዘገልግሉ ብምሕባር፡ ሓረስቶት ንጸረ-ባልዕ መድሃኒት ከም ዘላቒ ፍታሕ ዘምጽእ እንኮ ኣማራጺ ክወስድዎ ከምዘይብሎም ኣረዲኡ።

“ጸረ-ባልዕ መድሃኒት ምስ ተነጽገ ተረፍ-መረፍ ስለዝገድፍ፡ ንጥዕና ወዲ-ሰብ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ” ዝበለ መንእሰይ ስዒድ፡ ሓረስቶት ብፍላይ ኣብ ኣሕምልትን ፍረታትን፡ እንተወሓደ ክልተ ሰሙን ቅድሚ ምእራይ ምህርቲ፡ ጸረ-ባልዕ ምጥቃም ከቋርጹ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ።

ገለ ሓረስቶት ክሳብ ዕለተ- ምእካብ ዘራእቶም፡ ገለ ድማ ምስ ኣከቡ መድሃኒት ዝነጽጉ ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ እዚ ነቲ ኣብ ዕዳጋ ዝቐርብ ኣሕምልትን ፍረታትን ስለዝብክሎን ሳዕቤኑ ኣብ ጥዕና ከቢድ ስለዝኾነን፡ ካብ ንውልቃዊ መኽሰቦም ንጥዕና ህዝቢ ከቐድሙ ጸዊዑ።

መንእሰይ ስዒድ፡ ሓረስቶት ኣብ ክንዲ ተቐዳዲሞምን ብዘይምኽሪ በዓል-ሞያን ጸረ-ባልዕ ዝጥቀሙ፡ መዕቈቢ ባልዓትን ሕማማትን ዝኾኑ ኣትክልቲ ካብ ከባቢ ሕርሻ ከጽርዩ፡ ንባልዓት ሕርሻ ዘጥፍኡ ካልኦት ዓይነት ሓሳኹ ከተኣታትዉ፡ መጻወድያ ሓሳኹ ከዋድዱ፡ ምቅይያር ኣዝርእቲ ከዘውትሩን ተጻዋርነት ዘለዎም ምሩጻት ዓይነት ኣዝርእቲ ክጥቀሙን ኣዘኻኺሩ።

Categories